ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጣዊ መግለፂ ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም


ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም
ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም

ሓደ ኣሸባሪ ጉጅለ ንሕጋዊ መንግስቲ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ቅድመ ኩነት ከቕርብ ኣይኽእልን ኢለን ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም።

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ዘይተቐበሉ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈላለዩ ቅድመ ኩነታት ምቕማጦም ይፍለጥ ይብል ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣውነት ዝተመስረተበይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ኣቢለ ንዝበሎ ከምዘይቕበሉዎ ብወግዒ ዝገለፁ መራሕቲ ህወሓት ናይ በጀት ምስዳድ፣ናይ ስልክን ባንክን ካልኦት ኣገልግሎታትን ምጅማርን ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ካብ ምዕራብ ትግራይ ምውፃእን ዝኣመሰሉ ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጦም እዮም ።

ብዛዕባ ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነታት ቅዋም መንግስቲ ዝተሓተታ ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ‘’ኣብ መንጎ መዘናታት ዘሎ ጉዳይ ኣይኮነን’’ ኢለን።

ብዶብ ሱዳን ብወገን ሑመራ ናብ ትግራይ ዝኸይድ መስመር ሰብኣዊ ረድኤት ንክኽፈት ድፊኢት ከምዘሎ ዝገለፁ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትዊተርን ኣብ ቃለ መጠይቕን ነቲ ሓሳብ ክቃወሙዎ ፀኒሖም ኣለው።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተታ ቢልለኔ ስዩም ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ዝበፅሐሉ መማረፂ መስመር ክኽፈት ካብ ዓለምለኸ መሻርኽቲ ዝቐረበ ዕላዊ ሕቶ የለን ኢለን።ንሬድኤት ዝሓሸ መስመር ናይ ምውሳን ስልጣን ግን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ኢለን።

ከም ልኡላዊ መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብን ኣየናይ መስመር እዩ ቀሊል፣ውፅኢታዊን ስሉጥን ዝብሉ ንምምራፅ ሓላፍነት ኣለዎ፤ሰልዝኾነ ድማ ክልል ዓፋር ንወደብ ጅቡቲ ብዘለዎ ቅርበት ንመሕለፊ ሰብኣዊ ረድኤት መንግስቲ መሪፁዎ ኣሎ ኢለን ብምውሳኽ ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን ኣብ ክልል ዓፋር ተረኺቦም ከምዝነበሩ ዘረጋገፃ እተን ሓላፊት ፕረስ ምስላጥ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ምዝርራቦ ኣመልኪተን።እቶም ቀዳማ ምንስቴር ኣብ ናይ ዓፋር ዑደቶም ምስ መራሕቲ እቲ ክልልን ሽማግለታት ዓዲን ምዝርራቦ ሓቢረን።

ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ብመሰረት ዝተዘርግሑ ምስልታት እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ምስ ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ኣግልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ከምኡ እውን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ጠቕላሊ ኢታማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ከምዝነበሩ ኣርእዮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG