ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ሕብረት ኤውሮጳ ንኩባንያ ጉግል 2.7 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል ወሲኑ


ኩባንያ ጉግል፡ ንብይን ሕብረት ኤውሮጳዊ ዘቕረቦ ናይ ይግባይ ክሲ ስለ ዝተንጽገ፡ እቲ ቤት ፍርዲ 2.7 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል ወሲኑ። በቲ 27 ሃገራት ዝሓቘፈ ደምበ ነቲ ዓቢ ኣመሪካዊ ኩባንያ ዝቐረበሉ ክሲ፡ ኣብ ጉግለ ገለ ሓበሬታ ንዝደልዩ ተገልገልቲ ናብ ፍርያቱ ክገዝኡ ስለ ዝመርሐ’ዩ።

ብደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ 2017 ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ጉግል ዝተመስረተ ክሲ፡ ንዓማዊል እኹል ግንዛበ ገይሮም ኣብ ክንዲ ምግዛእ፡ ንፍርያት ካልኦት መወዳደርቲ ትካላት ከም ዘይርአ ስለ ዝግብር፡ ንባህሪ ናጻ ዕዳጋ ዝጻባእ ብምባል ይኸስስ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ኩባንያታት ደቂቕ ክትትል ከም ዝግበር ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG