ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛ ጎግል ንጾታዊ ብዙሕነት ብዝምልከት ብዝጸሓፎ መዘክር ካብ ስራሕ ተባሪሩ


ናይ ዓለምና ዝዓበየ ናይ ቴክኖሎጂ ትካል ጎግል፡ ጄምስ ዳሞር ንዝተባህለ ሰራሕተኛ ኣብቲ ትካል ንዘሎ ጾታዊ ብዙሕነት ዝምልከት ብዝጸሓፎ መዘክር ካብ ስራሕ ምብራሩ ተገሊጹ።

ንሱ ቁጽሪ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ውሑድ ዝኮነ ደቂ ኣንስትዮ ”ማህበራዊን ስነጥበባዊ ዝኾነ ስራሕ” ስለዝመርጻ እዩ እዚ ድማ “ ብሰንኪ ተፈጥሮአዊ ምክንያታት’ዩ” ክብል ጽሒፉ።

እዚ መዝከር ናብ ማሕበራዊ መራከቢ ብዙሃን ልሒኹ ብምውጽኡ እቲ ትካል ነቲ መሃንዲስ ምብራሩ ተፈሊጡ’ሎ።

ንምብራር እቲ ሰራሕተኛ ስዒቡ ጎግል ንደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታቱ ትሑት ክፍሊት ይኸፍል እንተኾይኑ ብናይ ኣሜሪካ ክፍሊ ሰራሕተኛታት ምርመራ ይካየደሉ ምህላው’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG