ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩባንያ ጉግል 5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክኽፈል ተሰማሚዑ


ናይ ተጠቀምቲ ሓበሬታ እናተኸታተለ ሓደጋ ኣስዒቡ ዝብል ክሲ ዝተመስረሉ ኩባንያ ጉግል፡ ነቶም ተበደልቲ ዝብሃሉ ክሳብ 5 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ምስምማዑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ 2020 ኣብ ሳንፍራንሲኮ ዝተመስረተ ክሲ፡ እቲ ኩባንያ ንምውዕዋዕ ኢሉ ብዝተኣታተዎ መስርሕ ምክትታል ተጠቀምቲ ሚልዮናት ሰባት ከም ዝተሃስዩን ካሕሳ ከም ዝግበኦምን ዝጠልብ’ዩ።

ነቲ ክሲ ዝመስረተ ትካል፡ ኣብቲ ዝተባህለ መቓን ግዜ “Google Analytics” ከምኡ’ውን “Ad Manager” ንዝብል መላግቦ ጠዊቑ ሓበሬታ ንኽረክብ ዝፈተነ ተገልጋሊ፡ ውልቃዊ ሓበሬታኡ ካብቲ ዝተኸፍተ ናይ ኢመይል መስመር ተወሲዱ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ነፍሲ-ወከፍ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክኽፈሎ ዝሓትት’ዩ።

እዚ ተደማሚሩ ሓሙሽተ ቢልዮን ከም ዝበጽሕ መስረትቲ ክሲ ይምጉቱ።

ጉግል ኮነ ኢሉ ንሓበሬታ ተጠቀምቲ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ከም ዘእትዎ እቲ ክሲ ይገልጽ።

ከሰስቲ ኮኑ ጠበቓታት ትካል ጉግል፡ ብውሽጢ ምስምማዖም ንቤት ፍርዲ ደኣ ይሓብሩ እምበር፡ ኣብዚ ጉዳይ ግን ተወሳኺ መብርሂ ኣይሃቡን።

ናይ መጨረሽታ ስምምዕ ክልተ ኣካላት ንዝመጽእ ዓመት ወርሒ ለካቲት ክጸድቕ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG