ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፀገማት ሰናይ ምሕደራ ኢትዮጵያ ብኣንደበት ምሁራት ( 3ይ ኽፋል )


ፀገማት ሰናይ ምሕደራን ፍትሕን ናብ ቢሮክራሲያዊ ኣሰራርሓ ኣውሪድካ ከይኮነስ ሰበስልጣን ንዝሰርሑዎ ተሓተቲ ዝኾኑሉ ኣሰራርሓ ብምንፃፍ፣ህዝቢ ሕቶታት ብምቕራቡ ዝቕፅዐሉን ዝሽቑረረሉን ከይኮነስ መስርሕ ዴሞክራሲያዊ፣ስቪላውን ሰብኣውን መሰላት ብምንጋስ ሕቱኡ ዝምለሰሉን ሃዋህው ብምምችቻው እዩ ይብሉ ናሁሰናይ በላይን ገብረመድህን ገብረሚካኤልን ።

ንሳቶም ነዚ ዝተዛረቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ክልል ደቡብን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዘለው ፀገማት ሰናይ ምሕደራን ፍትሕን ዘፅንዕ ሓደ ግብረ ሓይሊ ኣጣይሹ ብቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ዝተመረሐ ኣኼባ ላዕለዎት መንግስቲ ቐሪቡ ብዛዕባ ዝተሰምዐ ፀብፃብን ገምጋሞምን ትንታንኦምን ንክህቡና ተሓቲቶም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ'ዩ።

‘ህዝቢ ተናጊሩ ክባረር የብሉን፤ተናጊሩ ክዋረድ የብሉን፤ተናጊሩ ክእሰርን ኣብ ቤት ፍርዲ ክግተርን የብሉን’ዝበለ ናሁሰናይ ብምስዓብ ‘ፖለቲካዊ ተሳትፎ ሕማቕ ዋጋ ከኽፍል የብሉን’ይብል።

‘ሰናይ ምሕደራ ንበይኑ ቆንጢርካ ዝወፅእን ዝዝረበሉን ከይኮነስ ልዕልነት ሕጊ፣ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ሓሳብካ ብነፃነት ምግላፅ ምስ ዝረጋገፅ ሰናይ ምሕደራ ንምንጋስ ዝሕግዙ ትካላት ምህናፅ ይክኣል ይብል’ገብረመድህን ገብረሚካኤል።

ገብረመድህን ገብረሚካኤል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዪኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ PhD ትምህርቱ ኣብ ምክትታል ይርከብ።ናሁሰናይ በላይ እውን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፌደራሊዝም ኮይኑ ናይ PhD ትምህርቱ የፅንዕ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ፀገማት ሰናይ ምሕደራ ኢትዮጵያ ብኣንደበት ምሁራት ( 3ይ ኽፋል )
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:01 0:00

XS
SM
MD
LG