ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓርቢ ስቕለት ኣብ መላእ ዓለም ተኸቢሩ ውዒሉ


ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ህዝበ ክርስትያን ሎሚ ንዝኽበር ዓርቢ ስቅለት ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ኣኽቢሮም ውዒሎም።

ኣብ የሩሳሌም’ውን እቲ በዓል ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ተካይዱ’ሎ።

ኣመንቲ ኣብታ ጥንታዊት ከተማ የሩሳሌም ኣብ ዝካየድ ባህላዊ ስነ-ስርዓት ዓርቢ ስቅለት ካብ ዙርያ ዓለም ተአካኪቦም ኣኺብሮም ኣለው።

ብዙሓት ዓበይቲ ዕንጨይቲ መስቀል ሒዞም ኣብታ ጥንታዊት ከተማ በእጋሮም ተጉዒዞም።

ሰንበት ንዝኽበር በዓል ትንሳኤ’ውን አብኡ ከክብሩ’ዮም።

XS
SM
MD
LG