ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ቅማንትን ኣምሓራን ተላዒሉ ዝነበረ ግጭት ከምዝተፈትሐ' ኣማሓዳሪ ሰሜን ጎንደር ኣቶ ግዛት ኣብዪ


ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ቅማንትን ኣምሓራን ተላዒሉ ዝነበረ ግጭት ብገለ ሓይልታት ጸበቢነትን ትምክሕትን ዝተፈጥረ እዩ ክብሉ ዋና ኣማሓዳሪ ሰሜን ጎንደር ኣቶ ግዛት ኣብዪ ገሊጾም።

እቲ ጸገም ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ከምዝተፈትሐን 42 ጣቢያታት ንብሄረሰብ ቅማንት ከምዝተኸለለን ገሊጾም ኣለው።

ንነዊሕ ዘመናት ሓቢሩ አብ ዝነበረ ህዝቢ ጎንጺ ተፈጢሩ ህይወት ሰብ ከምዝጥፍአን ንብረት ከምዝዓነወን ኣቶ ግዛት ገሊጾም ኣለው።ብዝሒ ዝጠፍአ ህይወት ሰብን መጠን ዝዓነወ ንብረትን ንምግላጽ ግን ፍቓደኛ ኣይኮኑን።

እቲ ግጭት ብመንግስቲ እዩ ተፈጢሩ ዝብሉ ነበርቲ ጎንደር እውን ኣለው።ንነዊሕ ዘመናት ሓቢሩ ዝነበረ ህዝቢ ክፈላለ ብምግባር ኣብ መንጎ ህዝቢ ግጭት ዝፈጥር ዘሎ መንግስቲ እዩ ክብሉ ስሞም ዘይገለጹ ነበርቲ ጎንደር ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG