ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዕግርግር ጎንደር ሰባት ሞይቶም ሆቴላት’ውን ዒላማ ኮይኖም


ከተማ ጎንደር
ከተማ ጎንደር

ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ጎንደር ብጠንቂ ዝተላዓለ ግጭት ንብረት ከምዝዓነወን ህይወት ከምዝጠፍአን፣ ወኪል ኮሚተ ሕቶ መንነት ወልቃይት’የ ዝብሉ ኣቶ ኣደራጀው ዋኜ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ኣብ ጎንደር ብፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ተኸቢቦም ዝነበሩ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ’ውን፣ ኢዶም ከምዝሃቡ ኣፍሊጦም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝዓረዱ ሓይልታት ፀረ ሰላም መምርሒ እናተቀበሉ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፣ ሰባት ዝቀተሉን ብሕጊ ዝድለዩን ካብ ዝነበሩ እቲ ሓደ ተጠርጣሪ ሎሚ ኢዱ ከምዝሃበ ገሊፁ።

እቲ ተጠርጣሪ ሎሚ ንፖሊስ ኣምሓራ ኢዱ ከምዝሃበ ሃገራዊ ሓበሬታን ኣገልግሎት ድሕነትን፣ ፌደራል ፖሊስን ግብረ-ኃይሊ ፀረ ግብረ-ሸበራን ኣፍሊጡ።

ብጠንቂ ዝተፈጥረ ህውከት፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባትን ኣብያተ ንግዲን ጥፍኣት ከምዝወረደ’ውን እቲ መንግስታዊ መግለፂ ሓቢሩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:38 0:00

XS
SM
MD
LG