ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ጎንደር ዘጋጠመ ባርዕ 420 አባይቲ ንግዲ ምዕናዎም ተገሊጹ


ጎንደር- ቅዳሜ ገበያ
ጎንደር- ቅዳሜ ገበያ

ኣብ ከተማ ጎንደር ‘ቅዳሜ ገበያ’ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ናይ ዕዳጋ ቦታ ትማሊ ምሸት ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 420 ዝኸውን አባይቲ ንግዲ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዉ ተገሊጹ።

ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣብያተ ንግዶም ዝነደዶም ወነንቲ ኾነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ክኸውን ይክእል’ዩ ክብሉ ጥርጣረኦም ገሊጾም።

ነቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር አውዒልካ ነቲ ንብረት ካብ ጥፍአት ምድሓን ዘይተኻእለ’ውን ብሰንኺ ካብ ዕጡቓት መንግስት ዝተካየደ ተኹሲ’ዩ ክብሉ ይገልጹ።

እቲ ልዕሊ 60 ዓመት ዕድመ ከምዘለዎ ዝተነግረሉ ዕዳጋ ምሉእ ብምሉእ ከምዘነደደ፡ ንብረቶም ዝነደዶም ሰባት ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ መበገሲ’ቲ ባርዕ ሓዊ እንተዘይተፈልጠ’ዃ ብብቑዕ ኩነታት ምክልኻል ኣይተገበረን ኢሎም’ለው።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ብወገኖም መበገሲ’ቲ ባርዕ ከምዘይተፈልጠ መንግስትን ህዝብን ብምትሕብባር ግን ክጠፍእ ከምዝኸአለ ይሕብሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ኣብ ከተማ ጎንደር ናይ ዕዳጋ ቦታ ዘጋጠመ ባርዕ 420 አባይቲ ንግዲ ምዕናዎም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:02 0:00

XS
SM
MD
LG