ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

" ህውከት ጎንደር መግለፂ ተቃውሞ ህዝቢ ኣምሓራ ኣይኮነን" ሚኒስትር ጉዳያት ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ


ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ
ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ምስ ጋዜጠኛታት ወፃኢ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ጎንደር ዝተላዕለ ተቃውሞ ኣምሓራን ውፅኢቱን’ዶ ክገልፁልና ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ ‘ስለምንታይ ተቃውሞ ኣምሓራ ኢልካ ከምዝገለፅካዮ ኣይርደአንን፣ ምኽንያቱ ተቃውሞ ኣምሓራ ኢልካ ዘረባ ኣይነበርን’ ኢሎም።

‘ሓይልታት መንግስቲ፣ ገበናዊ ተግባራት ዝፈፀሙ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ብኣስመራ ዝድገፉን ሓይልታትን ምትእስሳር ዝነበሮምን 6 ሰባት ንምእሳር ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ሒዙ ተንቀሳቂሱ ነይሩ። ፌደራላዊ ሓይሊ፣ ነቶም 4 ክሕዞም ከሎ፣ እቶም ክልተ ግና ተዓጢቆም ስለዝነበሩ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ፀጥታ ተኹሲ ከፊቶም’ዮም’ እውን ይብሉ።

ፀሓፊ ኮሚተ ሕቶ መንነት ወልቃይት ኣቶ ኣደራጀው ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡና ሪኢቶ ‘መንግስቲ ሓደ ጊዜ 7 ግንቦት’ዮም፣ ገለ እዋን ተላኣኣኽቲ ሻዕቢያ’ዮም፣ ተረፍ መረፍ ደርጊ’ዮም ዝብል ዘሎ፣ ብኣና፣ ብህዝቢ ወልቃይትን ኣምሓራን ተቀባልነት ዘይብሉ’ዩ’ ኢሎም ነይሮም።

ኣቶ ጌታቸው ‘ኣብ’ቲ ኣብ ጎንደር ዝተፈጥረ ህውከት ልዕሊ 5 ኣባላት ፖሊስን ክልተ ሰላማዊ ሰባትን ከምዝተቀትሉ፣ በዝሒ ሓደጋ ዝወረዶም ሰባት ይንህር ከምዘሎን ገሊፆም’ ይብል ኣቀባሊና መለስካቸው ኣምሃ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:10 0:00


XS
SM
MD
LG