ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጎንደር: ሆቴልን መንበሪኦምን ዝተዘረፎምን ዝዓነዎምን ነባሪ 'መፅለሊ ደቀይ ስኢነ' ይብሉ


please wait

No media source currently available

0:00 0:14:16 0:00

ብርክት ዝበሉ ሆቴላት ሓዊሱ ትኽክለኛ መጠኑ ዘይፍለጥ ንብረት ከምዝዓነወን ከምዝተዘረፈን መንግስትን ንብረትና ዓኒዩናን ተዘሪፉናን ዝበሉ ነጋዶን ይገልፁ ኣለው።

ኣቶ ተስፋይ በላይ ዝተብሃሉ ወናኒ ሆቴል ባህረ-ሰላም ሆቴሎም ከምዝዓነወን ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ንብረት ምዝራፉን ናይ መንበሪ ገዛ ንብረቶም እውን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተዘረፈን ይዛረቡ። ኣባላት ስድርኦም ዝዓርፉሉ ከምዘይብሎም እውን ሓቢሮም ኣለው።

/ ሸዊት ኣባዲ ዝተብሃላ ብሰለስተ ፈረቓ 115 ሰራሕተኛታት ቖፂረን ዘስርሓ ዝነበራ ወናኒት ሆቴል ብወገነን ሆቴለን መስትያቱ ከምዝተሰባበረን ኣብ ንብረተን ከብዲ ጉድኣት ከምዝበፅሐን ይገልፃ።

ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኣዲስ ኣበባ ወኪልና መለስካቸው ኣምሃ ዘዘራረቦም ዋና ፀሓፊ ኮሚቴ ሕቶ መንነት ወልቃይት' ኣቶ ኣደራጀው ዋኜ ኣብ ከተማ ጎንደር ንብረቶም ዝዓነዎም ተወልደቲ ትግራይ ምዃኖምን ንሕቶ መንነት ወልቃት ዕንቅፋት ዝፈጠሩ እዮም ምባሎምን ዝዝከር'ዩ። ገሊኦም ሰለልቲ ገዛኢ ፓርቲ እዮም ዝብል ክሲ እውን ቀሪቡ ነይሩ

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ጎንደር ብዝተፈጥረ ቅልውላውን ህውከትን ትሽዓተ ኣባላት ፖልስ ፌደራል፣ሓደ ኣባል ፖሊስ ክልል ኣምሓራን ሓደ ኣባል ሰራዊት ምክልኻን ከምኡ እውን ህይወት ሓሙሽተ ንፁሃን ሰባትን ከምዝጠፍአ መንግስቲ ኣፍሊጡሎ። 11 ኣባላት ፌደራልን ፖሊስን ሓሙሽተ ናይቲ ክልል ፖሊሳትን እውን ቆሲሎም ኣለው።

ዘዘራረብናዮም ንብረቶም ዝዓነዎም ሰባት ግን ‘’ፍፁም ሓሶት እዩ’’ ክብሉ ነቲ ኽሲ ይነፅጉዎ።

XS
SM
MD
LG