ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ጎንጺ ንምንቅስቓስ ከተማ ጎንደር ይዓጹ


ከተማ ጎንደር-ፋይል
ከተማ ጎንደር-ፋይል

ኣብቲ ተዛማዲ ሰላም ሰፊኑዎ ዝቐነየ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖን ብሰንበት ኣብ ጎንደር ከቢድ ተዅሲ ምውላዑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ኣብታ ሓያሎ በጻሕቲ ዘለዋን ናይቲ ክልል ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ምዃና እትፈልጥ ጎንደር፡ ብሰንበት ዝተወልዐ ልውውጥ ተዅሲ፡ ነታ ከተማ ቍጠባዊን ካልእ ንግዳዊ ንጥፈታታን ተዓጽዩ ክውዕል ከም ዝደረኸ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ሎሚ ሰኑይ ተዛማዲ ህድኣት ካብቲ ዝነበረ ጽዕጹዕ ምልውዋጥ ተዅሲ ምንባሩ ዘመልከቱ ነበርቲ፡ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ፈደራል ምህላዋ ኣመልኪቶም። እንተዀነ ዕጡቓት ፋኖ በብእዋኑ ምትኳሶምን መጥቃዕቲ ምፍጻሞምን ከም ዘየቋረጹ ንነበርቲ ብምጥቃስ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እዚ ዜና ክሳብ ዝተዳለወሉ እዋን ድማ ንግዳዊ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ደው ኢሉን ተዓጽዩን ምህላዉ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ንዕጡቓት ፋኖ ናብ ሓይሊ ጸጥታ ክልል ወይ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ክሕወሱ ወይ ድማ ዕጥቆም ክፈትሑ መምርሒ ድሕሪ ምውራድ ኣብቲ ክልል ጎንጺ ገና ኣይዓረፈን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG