ኣብ ምዕራባዊ ክልል ኣምሓራ ኣብ ጎንደርን ደብረማርቆስን ሎምቅነ ዝነበረ ውጥረት ብመጠኑ ዝሕል ኢሉ’ሎ ዝበሉ ናይ መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት ፓርቲ ምኽትል ፕሬዝዳንት ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሓደስቲ ሽግራት እናተርኣዩ ምዃኖም ገሊፆም።
ብኻሊእ ወገን ብዛዕባ ኣብቲ ክልል ምርግጋእ ምህላው ዝገለፁ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሎሚ ኣብ ዳባት ተኻይዱ ዝነበረ ሰልፊ ዘይሕጋዊ ከምዝነበረን እንተኾነ ግን ብሰላም ከምዝተበተነን ገሊፆም።