ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት ጎንደርን ደብረማርቆስን ካብ ዝቐነይሉ ኣድማ ናይ ስራሕ ሎሚ ረቡዕ ናብ መኣዲ ስራሕ ይምለሱ ከምዘለው ተገሊጹ


ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣዳማ ዝተኻየደለን ከተማታት ጎንደርን ደብረ ማርቆስን ሰባት ናብ ስርሖም ከምዝተመልሱ ነበርቲ ይገልፁ ኣልው።

ብፍላይ ኣብ ጎንደር ግን ምሉእ ብምሉእ ናብ ስራሕ ምምላስ ከይኮነስ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ስራሕ ምጅማሮም መሳርሕትና ሰለሞን ኣባተ ዘዘራረቦም ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነባሪ ገሊፆም።

ይኹንምበር ንሰባት ምእሳር ግን ቀፂሉ’ሎ ኢሎም።

ንሶም: " ኣብያተ ትምህርቲ ቤት ማእሰርቲ እዩ ኮይኑ ዘሎ።ሽዱሽተ ፖሊስ ጣቢያታት ሞሊአን ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ቤት ማእሰርቲ እዩ ኮይኑ ዘሎ" ኢሎም።

ኣብካልኦት ከባቢታት እውን እቲ ምንክልባት ቀፂሉ ከምዘሎ ሰለሞን ኣባተ ዘዘራረቦም ገሊፆም ኣለው።

ብዛዕባ እዚ ካብ መንግስታዊ ሰበልስትኛክልል ኣምሓራ ንምርካብ ዝገበርኩዎ ፈተነ ኣይተዓወተን ይብል ሰለሞን ኣባተ

XS
SM
MD
LG