ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዕግርግር ከተማታት ጎንደርን ደባርቅን 16 ሰባት ሞይቶም፣ካልኦት 16 ሰባት ቆሲሎም


ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን
ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን

ኣብ ከተማታት ጎንደርን ደባርቅን ካብ 5 ሓምለ ክሳብ 7 ሓምለ 2008 ዓ/ም ብዝነበረ ዕግርግር ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ሓዊሱ 16 ሰባት ሞይቶም፣ካልኦት 16 ሰባት ምቑሳሎም ተገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ንብረት 139 ኢትዮጵያዊያን ዝተፈላለየ ዕንወት ከምዝበፅሐ እውን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ብዘካየዶ ምፅራይ ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን " ነገራት ምርግጋእ ክቕድም ስለዝነበሮ ኣረጋጊእናዮ ኢና" ኢሉ።

መንግስቲ ብወግዒ ከምዝገለፆ ካብ ፖሊስን ስቪልን ህይወት 16 ሰባት ከምዝጠፍአን ክንድኡ ዝኸውን ሰብ እውን ኣብ ኣካሎም ጉድኣት ምብጽሑ ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ብተወሳኺ ሓቢሮም።

" ብሓፈሻ ኣብ ከተማ ጎንደር ጥራሕ ጉድኣት ዝወረዶም ወገናት 139 እዮም።እዚ ሆቴልን ካልኦት ናይ ንግዲ ትካላትን ዝሓወሰ እዩ።ኣብ ሕድ ሕድ ናይ ንግዲ ማእኸል ወይ ሆቴል ብገንዘብ ዝግለፅ ጉድኣት ብዝምልከት ግን ክሳብ ሕዚ መረዳእታ ኣብ ምእካብን ምፅራይን ኢና ንርከብ" ድማ ኢሎም ንዝጠፍአን ጉድኣት ዝወረዶ ንብረትን ኣመልኪቶም ኣብ ዝገለጹሉ።።

ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን: ኣብ ደባርቕ ምቅፃል ገዛን ካሊእን ዝበፅሐ ጉድኣት ሰለስተ ከምዝኾ ይጉዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ መኪና ዝተፈፀመ ጉድኣት ካብኦ ሓደ ምዃኑን ገሊፆም።

እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሄር ዘተኮረ እንተኾይኑ ዝተሓተቱ ኣቶ ንጉሱ ህዝቢ ከተማ ጎንደርን ከባቢኡን መንግስቲ እቲ ክልልን ብፍሉይ ትኹረት ከምዝከታተሉዎ ገሊፆም።

እቲ ጉዳይ ሃገራዊ መልክዕ ክሕዝ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ብሄራት ኣምሓራን ትግራይን ግጭት ክፍጠር ዘይኮኑ ሓቢሩን ተኣሳሲሩን ዝነበረ ህዝቢ ንምቅሕሓርን ሓበሬታት ከምዝዘርግሑ ገሊፆም።

ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ " ኣብ ጎንደር እቲ ኩነታት ናይ ብሄር መልክዕ ክሕዝ ማዕረ እቱ ዝሰርሑዎን ዝተንቀሳቐሱዎን ኣይኮነሎምን።ምልክታት ግን ተራኢዮም እዮም።ምፅብፃብ’ዃ ግቡእ ተዘይኮነ ዝበፅሐ ጉድኣት ክንርኢ ከለና ካብ 85 ንላዕሊ ዝኸውን ንብረቶም ዝተጎድአ ኣብ ጎንደር ተወልዲኦም ዝዓበዩ ናይ ኣምሓራ ንብረት እዩ።እቲ ካሊእ ኣሃዝ ናይ ካልኦት ኮይኑ 30 ዝኾኑ ንብረት ተወልደቲ ትግራይ ጉድኣት በፂሑዎም ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄርን ብሄረሰባት ግጭት ናይ ምፍጣር ምንቅስቓስ ሕዚ እውን ኣሎ ዝበሉ ንሶም ይኹን እምበር ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ዘርኢ፣ሃይማኖት ሃፍቲ ዝፈለየ ወይም መንነት መሰረት ዝገበረ ምጥቕቓዕ ናይ ጎንደር ይኹን ናይ ካሊእ ከባቢ ባህሊ ኣይኮነን ኢሎም።

እዚ ድማ ንኽልቲኡ ብሄራትን ህዝብን ዘተኣሳስር ነዊሕ ዝፀንሐ ርክብ እዩ ኢሎም።

ኣብ ደባርቕ እቲ ህዝቢ ካብ ገንዘብ ክሳብ ዝተፈላለዩ ናውቲ ብምውፋይ ገዛውቶም ዝፈረሱዎምን ጉድኣት ዝበፅሖምን ኢትዮጵያዊያን ከምዝሓገዞም ኣቶ ንጉሱ ብተወሳኺ ገሊፆም።

ብዕግርግር ከተማታት ጎንደርን ደባርቅን 16 ሰባት ሞይቶም፣ካልኦት 16 ሰባት ቆሲሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:30 0:00

XS
SM
MD
LG