ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኲናት ሰሜን ኮንጎ -- ብምስክርነት ነባሪ እቲ ከባቢ


ኲናት ሰሜን ኮንጎ -- ብምስክርነት ነባሪ እቲ ከባቢ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:49 0:00

ኲናት ሰሜን ኮንጎ -- ብምስክርነት ነባሪ እቲ ከባቢ

ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝጀመረ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ሓይልታት ኤም-23፡ ብማዕድናት ሃብታም ዝዀና ሓያሎ ከተማታት ምብራቓዊ ኮንጎ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትዩወን ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ፡ ብሰኑይ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ጥራይ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ህዝቢ ሞይቶም ኣለዉ።

ብሩዋንዳ ከም ዝሕገዝ ሓያሎ ወገናት ዝኸሱዎ እዚ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ገስጋሱ ይቕጽል’ዩ ዘሎ። ብበይኖም መንግስታትን ውድባትን ንምዕራፍ እዚ ኲናት ክካየድ ዝጸንሐ ጸቕጢን ማዕቀብን ዛጊት ንገስጋስ እቲ ኲናት ኣይዓንቀጾን።

ኣብ ዩጋንዳን ሩዋንዳን ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ሓያሎ ዜጋታት ኣብ በበይኑ ስራሓት ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ ይግለጽ። ንምዃኑ እዚ ብቐጥታን ተዘዋዋሪን ንጎረቤት ሃገር ሩዋንዳ ጸልዩ ዘሎ ግጭት ነቶም ኣብዚ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ወጻኢ ከመይ ይጸልዎም? ነዚን ካልእ ምስቲ ጎንጺ ዝተሓሓዝን ጊሲኚ ኣብ ዝተባህለት ንከተማ ጎማ ተጎዝጊዛታ ዘላ ከተማ ሩዋንዳ ነባሪ ዝዀነ ሰብ ብስልኪ ኣዘራሪብና ኣሎና።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG