ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርጎ ዘርእስታ ፊልሚ ዝለዓለ ሽልማት ተሸሊማ


 the cast and crew of "Argo"Argo Jan. 13, 2013, in Beverly Hills, Calif. (AP Photo/NBC, Paul
the cast and crew of "Argo"Argo Jan. 13, 2013, in Beverly Hills, Calif. (AP Photo/NBC, Paul
ንሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ካብ ናይ ቴህራን መጭወይቲ ንምልቃቕ ብዛዕባ ዝተኻየደ ተባዕ ናይ ምድሓን ስርሒት እትዝቲ ኣርጎ ዘርእስታ ላ ሚዘራብላ ፊልም ኣብ ሎሳንጀለስ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብዝተኻየደ ስነስርዓት ሽልማት Golden Globe Awards ዝለዓለ ሽልማት ረኺባ’ላ።

እቲ ሽልማት ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ለካቲት ንዝካየድ ናይ ኦስካር ሽልማት ዘምርሕ ናይ ሆሊዊድ ናይ ሽልማት ቕነ መጀመሪያ እዩ።

ብምኽንያት ናይ 1979 ኣ/ፈ ናይ ኢራን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ቴህራን ዝተጨወዩ ኣሜሪካዊያን ዲፕሎማሰኛታት ንምድሓን ዝተኻየደ ስርሒት እትዝቲ ኣርጎ ፊልም ኣብ ናይ Golden Globe ሽልማት ዝበለፀት ድራማ፣ተዋሳእን ሰራሒ ፊልምን ቤን ኣፍሌክ ድማ ብሉፅ ዳይረክተር ኮይኖም ተሸሊሞም ኣለው።እዚ ሰራሒ ፊልሚ ኣፍሌክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕላዊ ኣብዝኾነ ናይ ኦስካር ሕፀ ዘይምፅርሑ መደበሲ ኮይኑሉ’ሎ።

ኣፍሌክ ንመዘንኡ ሕፁያት Golden Globe ንፍሉጥ ዳይረክተር ካትሪን ቢግሎ፣ኣንግ ሊ፣ስቲቭን ስፒልበርግን ኮንቲን ታራንቲኖን ዘለዎ ናእዳ ገሊፁሎም።

ላ ሚዝራብለ ኣብ ናይ መስሓቒ ወይ’ውን መደውዳእትኡ ዘሐጉስ ተዋስኦ ብልፅቲ ተባሂላ ተሸሊማ’ላ።ኮኾብ እታ ፊልም ሃግ ጃክማን ኣብ ምድብ ኮመዲ ብሉፅ ኣክተር ተባሂሉ እንትሽለም፣ኣን ሃታወይ ሓጋዚት ኣክተር ወይ ተዋሳኢት ተባሂላ ተሸሊማ’ላ።

ዳኒኤል ደይ-ልውስ ስቲቨን ስፒልበግስ ኣብ ታሪኻዊ ናይ ሊንከን ፊልም ብዝነበሮ ብሉፅ ጊደ ዝበለፀ ተዋሳኣይ ኮይኑ ተሸሊሙ’ሎ።እቲ ታሪኽ መበል 16 ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዝነበረ ኣብ እዋን ሕድ ሕድ ኵናት ሓንቲ ሃገር ኮይና ንኽትቕፅልን ባርነት ንኸብቅዕን ዝገበሮም ፃዕርታት ዘርኢ እዩ።

ናይ ቀደም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ቢል ክልንቴን ኣብቲ ስነስርዓት ብሃንደበት ናብ መደረኽ ቅልቅል ብምባል ታሪኽን እቲ ፊልምን ብዛዕባ ዝተረኸበ ትምህርትን ’’ፕሬዝዳንት ሊንከን ባርነት ንኽጠፍእ ዘካየድዎ ቓልሲ ነዊሕ ዝፀንሕ ምዕባለ ብመትከልን ብእንካ ሃባን ከምዝርከብ የዘኻኽረና።እዚ ብሉፅ ፊልም እዚ ሊንከን ከመይ ከምዝሰርሑን መሊስና ከምኡ ንሰርሕ ከምእንኽእል ተስፋ ኣስኒቑና’ላ።’’

ጀሲካ ቸስተይን ኣብ ድራማዊ ተዋስኦ Ziro Dark Thirty ንኣሸባሪ ኦስማ ቢን ላዲን ንምህዳን ዝሓገዘት ናይ ስለያ ተንታኒት ኮይና ብዝሰርሐቶ ስራሕ ብልፅቲ ተዋሳኢት ተባሂላ
ጀነፈር ላውረንስ ኣብ ናይ Silver Linings Playbook ኮሞዲ ወይ ሙዚቃዊ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ብዝነበራ ጊደ ብልፅቲ ኣክተር ተባሂላ ተሸሊማ’ላ።ክርስቶፈር ዋልዝ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ደቡብ ኽፋል ቅድሚ ሕድ ሕድ ኵናት ብዛዕባ ዝነበር ባርነትን በደልን እትዝቲ Django Unchained ኣብ ዝተብሃለ ናይ ኮንቲን ታራንቲኖ ፊልም ብሉፅ ሓጋዚ ኣክተር ተባሂሉ ተሸሊሙ።

ብኣውስትራዊ ናይ ፊልም ዳይረክተር ማይክል ሄነክ ብፈረንሳይኛ ቛንቛ ዝወፀት ኣሙር ዘርእስታ ፊልም ብልፅቲ ናይ ወፃኢ ፊልም ተባሂላ ተሸሊማ’ላ።

ገና ቆልዓ እናሃለወት ምውሳእ ዝጀመረት ጓል 50 ዓመት ፊልመኛ ጆዲ ፎስተር ኣብ መዋእላ ብዘበርከተቶ ናይ ምውሳእ ስራሕ ተሸሊት ኮይና።

Golden Globe ንናይ ቴለኢቪዥን ምርኢታት’ውን ሸሊሙ እዩ።ናይ ሲኒማ ሽልማት ግን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ 24 ለካቲት ኣ/ፈ ኣብ ሆሊዉድ ኣብ ዝካየድ ኩቡር ናይ ኦስካር ወይ’ውን ኣካዳሚ ኣዎርድስ መን ከምዝስዕር ዝእምት ስለዝኾነ ናይ ፊልሚ ኢንዱስትሪ ብቐረባ ይከታተሎ’ሎ።
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:17 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG