ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዘራራቢ ዕደና ወርቂ ክልል ትግራይ


ኣዘራራቢ ዕደና ወርቂ ክልል ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:40:20 0:00

ኣዘራራቢ ዕደና ወርቂ ክልል ትግራይ

ክልል ትግራይ ክቡራት ናይ ተፈጥሮ ማዕድናት ሃብታም ምዃና መፅናዕትታት ይሕብሩ። መንግስታዊ መሓውር ዝኾነ ቢሮ መሬትን ማዕድንን ክልል ትግራይ "ብምኽኒያት ፀሊም ዕዳጋ ማዕድናትን ትሑት ኣጠቓቕማ ክቡራት ማዕድናትን ዝርአ ብኽነት፣ ብርሰትን ብኽለትን ቀፃሊ ሓደጋን መፍትሒኡን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ 17 ገፅ ዝሓዘ ሰነድ ትግራይ ካብ ዘለውዋ ፀጋታት ገሊኦም "ናይ ኮንስትራክሽን ማዕድናት፣ ኢንዱትሪያዊ ማዕድናት፣ ሓፂንን ሓፂን ተንከፍን ማዕድናት፣ ዝኸበሩን ብኽፋል ዝኸበሩን ማዕድናትን መጋየፅቲ ማዕድናትን እዮም፡’’ ይብል። ቅድሚ ኵናት ብርክት ዝበላ ከባቢያውን ናይ ወፃእን ኩባኒያታት ኣብ ክልል ትግራይ ዳህሳስ የካይዳን ምፍራይ ዝጀመራን ከም ዝነበራ እቲ መንግስታዊ ቤት ፅሕፈት ይገልፅ። ባህላዊ ምእራይ ወይ ዕደና ወርቂ'ውን ንዘመናት ዝፀንሐን ይቕፅል ዘሎን ኣገባብ ዕድና እዩ።

ኣብ ሰሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት፡ ኣብ ዞባ ማእኸላይ ክልል ትግራይ ድማ ኣብ ክልተ ወረዳታት ስርዓትን ሕግን ዘይተኸተለ ዕደናን ዘይሕጋዊ ዝውውርን ማዕድን ይፍፀም ኣሎ። ዝፍለጡን ዘይፍለጡን ሓደገኛታት ከሚካላት ኣብ ሰባት፣ እንስሳትን ስነ-ህይወታዊያንን ጉድኣት ይወርድን ብርሰት ሃብቲ ተፈጥሮ ይፍፀምን ከም ዘሎ ይግለፅ ኣሎ።

ድምጺ ኣመሪካ ብዛዕባ እዚ ንኣዋርሕ ሓበሬት ከተኣኻኽብ ድሕሪ ምፅናሕ እዚ ምርመራዊ ፀብፃብ Investigative Report ኣዳልዩ ኣሎ።

ድምጺ ኣመሪካ ብዛዕባ እዚ ዓሙቕ ኣፍልጦ ምስ ዘለዎም ሰባት፣ መሰኻኽር ዓይኒ፣ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ሰበስልጣን ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፣ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፣ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መፅናዕቲ ዘካየዱ ኣካላት፣ ብዛዕባ እቲ ይካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ወራርን ብርሰትን ማዕድናት ዘገድሶም ነጠፍቲ፣ ነበርቲ እቲ ከባቢ፣ ስድራ ግዳያት፣ ኣካላት ፍትሒ፣ ቃለ መሕትት ኣካይዱ። መንግስታዊ ሰነዳት፣ብርክት ዝበሉ ቪዲዮታትን ስእልታትን እውን ኣብ ኢድና ኣትዮም።

እቲ ዕደና ዓሰርተታት ቢሊዮናት ብር ዝንቀሳቐሰሉ ስለ ዝኾነ ሰባት ሓበሬታ ክህቡ ከለው እዚ ሓደጋ ኣብ ግምት እናእተው እዮም።

ድሕሪ ወራር ሃብቲ ማዕድናት ክልል ትግራይ ዘለው ሓያላት ኣእዳው ወይ ዛርቲ ናይ መን እዮም?

ብዛዕባ ወራር ማዕድናት ክልል ትግራይ ካብ ዝለዓለ ብዓል ስልጣን እቲ ክልል ክሳብ ተራ ኣባል ማሕበረሰብ ሓደ ዓይነት ምርድዳእ ኣሎ። ነበርቲ እቲ ከባቢ፣ ሰበስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ኣንቃሕቲ ማሕበረሰብ፣ ክኢላታትን ሰብ ሙያ ሕግን ኩሎም ዝሰማምዕሉ ግሁድ ሓቂ እዩ እዚ ወራር ማዕድናት።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዕደና ወርቂ ይሳተፉ ዘለው ናይ ውሽጥን ወፃእን ኣካላት እዮም። ብደረጃ ክልል ፍቓድ ዝወሃቦም ነኣሽቱ ማሕበራትን ትካላትን ከምዘለው ኮይኖም ብፌደራል ፍቓድ ዝወሃቦም ዓበይቲ ናይ ውሽጥን ዓለምለኸ ኩባኒያታት እውን ኣለው። ምስ ኢዛና ልምዓት ዕደና ዝተባህለ ናይ ውሽጢ ሃገር ኩባኒያ ትእምት ብሓባር ዝሰርሑ ኩባኒያታት ኣመሪካ፣ካናዳን ቻይናን ከም ዘለው እውን ምንጭታትና ይገልፁ። ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ኣባላት ሰራዊት ክልል ትግራይን ምንጭታት ዞባ ስሜን ምዕራብንን ኣብቲ ከባቢ ይካየዱ ዘለው ስራሕቲ ዕድና ግልፅነት ዘይብሎን ስርዓትን ቁፅፅር ዘይካየደሎምን ንህዝባዊ ረብሓ ዘይውዕሉን ምዃኖም ይዛረቡ።

ክንደይ ምዃኖም ብንፁር ኣይፈለጡ እምበር ኣብ ዕደና ወርቂ ፍሉይ ሞያ ዘለዎም ወፃእተኛታት ምስቶም ከባቢያዊያን ዓደንቲ ወርቂ ብምዃን ብውልቅን ጉጅለን ይንቀሳቐሱ ኣለው።

ፕረዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዙሪያ ዓለም ንዝተኣኻኸቡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዳያስፖራ ተጋሩ ብ zoom ኣቢሎም መብርሂ ኣብ ዝሃብሉ እዋን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ጨንፈር ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ 13 ኩንታል ወርቂ ብ17 ቢሊዮን ብር ምግዝኡ ብዝምልከት ተሓቲቶም ቅኑዕ ምዃኑ ብምርግጋፅ ሰለስተ ኣርባዕተ ዕፅፊ እውን ብኮንትሮባንድ ይወፅእ ኣሎ ኢሎም።

ኣብዚ ዓመት ናይ ክልል ትግራይ ዓመታዊ በጀት 12.7 ቢሊዮን ብር ጥራሕ እዩ።

እቲ ምንቅስቓስ ካብ ዙሪያ ዓለም ዝመፁ ተዋሳእቲ ሓዊሱ፣ በብደረጅኡ ዘለው ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ሽሞም ዘይፍለጡ ወይ ዘይፅርሑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ከምዝኾኑ ዝግመቱ ከምኡ ድማ ዓለምለኸ ተዋሳእቲን ይሳተፍሉ ኣለው። ኣቶ ጌታቸው ረዳ እውን "ሽፍትነት’’ ኢሎም ካብ ዝፀውዕዎ ንምውፃእ ድልየት ዘይብሎም ካብ መሪሕነት እቲ ፖለቲካ ሓዊሱ ኢዶም ዘለሉ ስለ ዝኾነ ከቢድ እዩ ይብሉ።

ኣቶ ተኽላይ ገብረመድህን ፕረዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሓላፍነቶም ዘውረዱዎም ንነዊሕ ግዜ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ብምዃን ዝሰርሑ እዮም። ብዶክተር ደብረፅዮን ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ጉባኤ ድሕሪ ምክያዱ ፈፃሚ ስራሕን ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ኮይኖም ከም ዝተመደቡን ዞባ ምዕራብ ነፃ ስለ ዘይወፀ ግን ሕዚ ብዶክተር ደብረፅዮን ናይ ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ኣቦ ወንበር ህወሓት ሰሜን ምዕራብ ምዃኖምን ይገልፁ።

ኣቶ ተኽላይ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ልዕሊ 25,400 ሰባት ተወዲቦም ፍቓድ ወሲዶም ዕድና ወርቂ የካይዱ ከም ዘለውን ካብ ኣስታት ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣስታት ሰለስተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ዓሰርተታት ቢሊዮናት ብር ዝዋግኡ 17 ኲንታል ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣታዊ ምዃኑን ይገልፁ።

ኣቶ ተኽላይ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ መሬት ዝኹዕቱ፣ ገፀ መሬት ዘበላሽውን ሓደገኛታት ኬሚካላት እናተጠቐሙ ሽግራት ዝፈጥሩ ከምዝለውን ምስቶም ሓይልታት ፀጥታ ብምዃን መልክዕ ንምትሓዝ ፃዕርታት ይግበር ከምዘሎን ይገልፁ።

ግዚያዊ ምምሕዳር ከም ሃገሩ መረረ ዘስምዕ ከይኮነስ መፍትሒ ዘምፅእ ኣካል ክኸውን ምተገብአ ነይሩ ዝበሉ ኣቶ ተኽላይ ኣብ ናይ ወርቂ ጎዳጉዲ ተጠቃማይ ምዃኖም ንዝቐረቦም ክሲ ጠቐነ እዩ ኢሎም። ‘’ዛርቲ’’ ብዝብል ሽም ዝፅውዑ ካብ ፍርያት ወርቂ ብሕቡእ ብዛዕባ ዝማቐሉ ሽሞም ዘይጥቀሱ ኣካላት ተሓቲቶም እቲ ቃል ሓዱሽ ከም ዝኾኖም ኣቶ ተኽላይ ገሊፆም። ኣብ ናይ ወርቂ ጎዳጉዲ ኢዶም ከምዘሎ ይቐርብ ንዘሎ ክሲ ኣቶ ተኽላይ ገብረመድህን ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ‘’ሽም ተኽላይ ገብረድህን ብግብሪ ይኹን ብመንፈስ ኣብቲ ዝተባህለ የለን። ኣብ ዝኾነ ይኹን ንግዲ እውን ኣይሳተፍን’’ ብምብላ ነፂጎምዎ።

ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተል ኣባል ሰራዊት ክልል ትግራይ ላዕለዎት ኣባላት ሰራዊት ይኹኑ ፖለቲካዊ መሪሕቲ ክቆፃፀሩዎ ዘይክኣልሉ ምኽኒያት ‘’ባዕሎም ኣብቲ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ስለ ዘለውዎ እዩ’’ ይብል።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ልዕሊ 140 -ሽሕ ተኸተልቲ ዘለዎ ነጣፋይ ማሕበራዊ ሚዲያ ሃፍቶም በርሀ ወልዳይ ተወሊዱ ዝዓበየሉን ዝተምሃረሉን ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ እንዳብጉና እዩ። ወርቂ ዝወፀሉ ከባቢ ኣስገደ ፅንብላ ብዝግባእ ከም ዝፈልጦን ኣብ ዕድና ወርቂ ይኸውን ብዛዕባ ዘሎ ብቐረባ ንምርዳእ ኣብ ቀረባ ግዜ ሰለስተ ግዜ ናብቲ ከባቢ ከም ዝተጉዓዘን ይዛረብ። ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ናብዚ ናብ ኣመሪካ መፂኡ ብተለፎን ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶኡ ሂቡ ኣሎ። ኣብቲ ከባቢ ብባህላዊ ወርቂ ምእራይ ዝፀንሐ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ ቀረባ ይርኣይ ዘሎ ተርእዮ ግን "ብዘመናዊ ማሽናን ኬሚካላትን ጠቒሞም ዝዕድኑ ከምዘለው ኩነታት ፀጥታ እውን ጎንፅን ምቅትታልን ዝውቱር ምዃኑ ርእየ ኣለኹ’’ ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ ምስቲ ወርቂ ተኣሳሲሩ ኣብቲ ሕብረተሰብ ጓሂ ኣሎ ይብል። ኬሚካላት ዝጥቀሙ ዘመናዊ ዓደንቲ ወርቂን ወፃእተኛች ሰባት ከይተረፉ ከም ዘለውን ኣብቲ ከባቢ መትሓዚን መጨበጥን ዘይብሉ ኩነታት ተፈጢሩ ከም ዘሎን ይዛረብ።

ሕጋውን መንግስታውን ቁፅፅርን ተሓታትነትን ብዘይብሉን ነቲ ህዝቢ ይኹን ነቲ መንግስቲ ተረባሒ ብዘይገብርን ይስራሕ ከም ዘሎን ንናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ጥዕና እውን ናይ ነዊሕ እዋን ሳዕቤን ዘምፅኡ ብምዃኑ እቲ ህዝቢ ሕጉስ ኣይኮነን ይብል።

ክልል ትግራይ ኣዕንቲ ዘይሕጋውን ዓደንቲ ውሽጥን ወፃእን ዝስሓበትሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ኣብዚ ስርዓትን ቁፅፅርን ዘይብሉ ስራሕ ዕደና ይንቀሳቐሱ ከም ዘለው ሽሞም ይጥቀሱ ካብ ዘለው ወፃእተኛታት ቻይናዊያን፣ደቡብ ኣፍሪቃዊያን፣ ኬንያዊያን፣ ኡጋንዳዊያንን ሱዳናዊያንን ይርከቡዎም።

ዝረኸብናዮ ቪድዮ ከም ዝሕበሮ ኣብ ሓደ ወርቂ ናይ ምውፃእ ስራሕ ሓደ ቋንቋ ትግርኛ ዘይዛረብ ሰብ ብዝተሰባበረ ቋንቋ እንግሊዝ ኣቢሉ ነቶም ዘስርሖም መናእሰይ ናይ ስራሕ መምርሒ ክህቦም ይስማዕ።

ሽሙ ይኹን ሓላፍነቱ ከይጥቀስ ዝሓተተናን ነቲ ምንቅስቓስ ብዝግባእ ዝከታተልን ዝፈልጥን ኣባል ሰራዊት ትግራይ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ወራር ማዕድንን ኩነታት ፀጥታን ኵናት ኣብ ዝተኻየደለን ሃገራት ብፍላይ ድማ ምስ ማእኸላይ ኣፍሪካ ዝመሳሰል እዩ ይብል። ‘Blood Diamond’ ናይ ‘ደም ኣልማዝ’ ምስ ዝብል ናይ ኣመሪካ ፊልም ከም ዝመሳሰል እዚ ኣባል ሰራዊት ወሲኹ ይገልፅ። ጭብጢ ናይቲ ፊልም ኲናት ኣብ ዘይፍለየን ሃገራት ኣፍሪቃ ጎይቶት ውግእ (The Warlords) ንማዕድናት ብምቁፅፃር ኣፅዋር እናዓደጉ ዘይምርግጋእ ዝፈጥርሉን ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝርከቡ ኩባኒያታት ዕደና ኣልማዝ ድማ ናይዚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ማዕድናት ሓፈስቲ ትርፊ ዝኾኑሉን እዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደናታት ወርቅን ብርሰት ሃብቲ ተፈጥሮን ብኣግኡ ስርዓት እንተዘይሕዙን መፍትሒ እንተድኣ ዘይተቐሚጥሉን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ቅልውላው ኣብዚ እውን ዘይፍጠረሉ ምኽኒያት ኣይኽሕልውን ይብል። ገሊኦም ድማ ድሮ ኣብ ባይታ ይኸውን እዩ ዘሎ ይብሉ።

ኲናት ብምብጋስ ትግራይ ስዒቡ ድልዱል መንግስቲ ዘይምህላውን ገዚፍ ዕጡቕ ሰራዊት ምህላውን እዚ ስግኣት ክፍጠር ካብ ዝገብሩ ምኽኒያታት ገሊኦም እዮም። ዝለዓለ ዕቑር ማዕድናት ምህላው ድማ ኣዒንቲ ዘይሕጋዊያን ዓደንቲ ክስሕብን ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ዕደና ክሰፍሕን ካልእ ምኽኒያት እዩ።

ኵናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣባል ሰራዊት ክልል ትግራይ ብምዃን ኣብቲ ከባቢ ከም ዝንቀሳቐስን ነቲ ኩነታት ብዝግባእ ከም ዝርድኦን ዝከታተሎን ዝገልፅ ኣባል ሰራዊት ክልል ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኸውን ዘሎ ከምዚ ክብል ይገልፆ።

"ትሕቲ ሓደ ምእቲ ሜትሮ ጉድጓድ ኵዒቶም ወርቂ ከውፅኡ ዝነበሮም ዓበይቲ ኩባኒያታት ልዕሊ መሬትን ኣብ ቀረባ ኳዕትን ዝርከብ ወርቂ ምስቲ ሕብረተሰብ ይሻመዩ ኣለው።"

ሓደገኛታት ኬሚካላትን ብርሰት መሬትን

ንመድለይን መፃረይን ወርቂ ዘገልግሉ ሳይናይድን ሜሪኩሪን ዝተባህሉ ኬሚካላት ንጥዕና ሰባት፣ እንስሳትን ስነ-ህይወታዊያንን ኣዝዮም ሓደገኛታት እዮም። ብመሰረተ ውድብ ጥዕና ዓለም ሜሪኩሪ ካብቶም ንጥዕና ህዝቢ ዘተሓሳስቡ ቀንዲ ዓሰርተ ከሚካላት ወይ ጉጅለ ከሚካላት ሓደ እዩ።

ከሚካላት ሳይናይድን ሜርኩሪን ካብ ኬንያ ብምብጋስ ብክልላት ጋምቤላ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብኣምሓራ ጎንደር ኣቢሉ ናብ ብምብጋስ ትግራይ ከም ዝኣትው ብምግላፅ ብስእልታት ኣደጊፉ ልኢኹልና ኣሎ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ምጥቃም ኬሚካላት ብዛዕባ ዘውርዶ ሓደጋ መንግስታዊ መሓውር ቢሮ ምህዞ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ክልል ትግራይ ውሱን መፅናዕቲ ብምክያድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2016 ንቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣቕሪቡ ነይሩ።ኣብቲ ቢሮ ዳይረክተር ምክልኻል ጨረርን ኒኩሌርን ኣቶ ግዛቸው ወልደፃድቓን እቲ ሓደጋ ምስ ተሰምዐ ቤት ፅሕፈቱ መፅናዕቲ ንምክያድ ንዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ሓገዝ ሓቲቱ መልሲ ምስ ስኣነ ናብቲ ከባቢ ብኣካል ምኻድ ከም ዝወሰኑን ግን ሓደገኛ ስለ ዝኾነ መንነቶም ሓቢኦም ናብቲ ከባቢ ብምኻድ ‘’ዘሕዝን’’ ኢሉ ዝገለፆ ኩነታት ምርኣዮምን ይገልፅ።

መንግስታዊ ዘይኮኑ ዕጡቓት ነቲ ከባቢ ስለ ዝሕልውዎ ንደሕንነት ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ይብል።

ኣብ ልዕሊ እንስሳትን ሰባትን ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ናብ ቤት ፍርዲ ሰሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ መፂኦም መረረ ዘስምዑ ነበርቲ ከም ዘለው ዝገለፀ ፕረዚደንት ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ መንግስቱ ተኽላይ ኣብቲ ከባቢ ንነውሕ እዋን ዝሰርሐ ምስ ምዃኑ ምስ ዕደና ወርቂ ዝተኣሳሰሩ ሓደሽቲ ክስታት ናይ ቤት ፍርዲ ይመፁ ከምዘለው ብምግላፅ ጠንቂ ማሕበራዊ ምስሕሓባት፣ ፀጥታን ጥዕናን ይኸውን ከም ዘሎ ይገልፅ። ኣብ ወረዳ ማእኸል ኣዲያቦ ጣቢያ ማይ ኣባይ ህጻናት ኣብቲ ዕደና ዝካየደሉ ከባቢ ማይ ብምጥቃሞም ኣእዳዎም ዓቢቑ ፀገም ጥዕና ገጢሙዎም ከምዘሎ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ካብ ዝመፁ ተገልገልቲ ጥርዓን ቀሪቡልና ኣሎ ኢሉ። ‘’እቲ ሃብቲ ውሑዳት ዝጥቀምሉ ጥራሕ ክኸውን የብሉን እቲ ፀገም ናብቲ ተረባሓይ ዘይኮነ ህዝቢ ክጸልው ክፍቀድ የብሉን’’ ኢሉ።

ዳይረክተር ምክልኻል ጨረርን ኒኩሌርን ኣቶ ግዛቸው እቶም ዓደንቲ ወርቂ ዝጥቀምሉ ዓይነት ኬሚካላት ሳይናይድን ሜርኩሪን ዝተባህሉ ሓደገኛታት ኣብ ጥቕሚ እናውዓሉ ኣብ ልዕሊ ሕብረትሰብ እንስሳትን ከቢድ ሓደጋ የውርድ ከምዘሎን እቲ ኩነታት ድቃስ ዝኸልእን ዓሚቕ ዳህሳስ ዘድልዮን እዩ ይብል ።

ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ክልልትግራይ 15 ሕዳር 2024 ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገፅ ፌስቡኩ ኣብ ዘውፅኦ ዜና ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ሓደገኛ ኬሚካላት ብምጥቃም ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ይሰርሑ ኣብ ዝነበሩ ውልቀሰባት ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ይገልፅ። ዓይነት ከሚካልን ዝተወሰደ ስጉምቲ እንታይ ምዃኑን ግን እቲ ዜና ኣይገለፀን።

ኣብቲ ከባቢ ሰባት ይቃተሉ:: ዓሰርተታት ወይ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ናይ ባዕሎም ዕጡቓት ዘለውዎም ልዕሊ ሕጊ ዝኾኑ ‘’ሸፋቱ’’ ይፍጠሩ ከም ዘለው እውን ብዙሓት ይገልፁ ኣለው።

ኣብቲ ዕደና ወርቂ መን እዮም ዝሳተፉ ዘለው?

ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ይኹን ድምፁ ክስምዓሉ ዘይደለየን ምስ ዕደና ወርቂ ተኣሳሲሩ ዝፍፀም ዘሎ ምንቅስቓስ ዓሚቕ ፍልጠት ዘለዎ ብዓል ስልጣን ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዕደና ዝካየደሉ ወረዳታትን ጣቢያታትን ብዝርዝር ይገልፅ። "ኣብ ወረዳታት ዓዲ ዳዕሮ፣ ኣስገደ፣ ፅምብላን ዛናን ኣብ ልዕሊ 14 ጣቢያታት ሓያሎ ናይ መዕደኒ ቦታታት ወርቂ ኣለው’’ ይብል።

ንሱ እቶም ብፌደራል መንግስቲ ፍቓድ ዝወሃቦም ከምዘለው ኮይኖም እቶም ኣብ ምውፃእ ይሳተፉ ዘለው ሰለስተ ኣካላት እዮም ይብል። ‘’ ቀዳማይ ብባህላዊን ብፍንውን ወርቂ ዝኣርዩ፣ ካልኣይ ሓረስቶት ንሕርሻ ዝጥቀምሉ መሬት ገንዘብን መሳርሒታትን ንዘለዎም እናካረዩ ዝጥቀሙ ክኾኑ ከለው እቶም ሳልሳይ ፍቓድ ኣውፂኦም ዝዕድኑ እዮም ‘’ ይብል። ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታ ዕደና ወርቂ ምክያድ ኣይፍቀድን ግን ናይ ሕርሻ ቦታታት ንዕደና ወርቂ ብማሽናት ይኩዓቱ ኣለው። እቶም ሰብ ሕርሻን ብማሕበር ተወዲቦም ማዕድን ንምውፃእ ፍቓድ ዝተውሃቦምን ማሕበራት ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም ነቲ መሬት እናካረዩ 40 ሚእታዊት ነቶም ሰብ መሬት 60 ሚእታዊት ድማ ንቶም ሰብ ገንዘብን መሳርሕን የካሪዩዎን ወርቂ ምስ ወፀ ድማ ይማቐሉዎን።

ኣብ ክልል ትግራይ ብሓፈሻ ፍቓድ ወሲዶም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ይኹኑ እቲ ናይ ኣወሃህባን ቁፅፅርን ኣገባብ ብዝምልከት መብርሂ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት አካይዱ ዩ። ንምኽትል ሓላፊ ቢሮ መሬትን ማዕድንን ኣቶ ተስፋልደት ደዊልና ‘’መንግስቲ ዘቐመጦ ኣንፈት ኣሎ። ንሱ ምስ ተሰርሕ ክግለፅ እዩ። ካብዚ ወፃኢ ግን ቃለ ምልልስ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን’’ ክብል መሊሱልና። ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣቶ ካልኣዩ ገብረህይወት እውን ስልኪ ክንድውለሉ ገሊፁልና መሊስና እንተደወልና ስልኩ ኣይተልዓለን። ብኣካል ይኹን ብስልኪ ከምኡ እውን ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ብምስዳድ መብርሂ ንምርካብ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣቶ ካልኣዩ ኣብ ወርሒ መጋቢት ንመራኸቢ ብዙሃን ክልል ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ቤት ፅሕፈቱ 578 ፍቓድ ከምዝሃበን ናይ ፌደራል መንግስቲ ፍቓድ ዝሃቦም ድማ 37 ዓበይቲ ሰብ ሃብቲ ይንቀሳቐሱ ከምዘለውን ዳርጋ ንብምሉእ ክልል ትግራይ ተቖፃፂሮምዋ ከም ዘለውን ንቤት ፅሕፈቶም ኣፀጋሚ ኮይኑዎ ከም ዘሎን ገሊፁን ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ካብ ሚንስትሪማዕድን ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ኸርመድ ዝተባህለ ናይ ሕጊ ትካል (Khermed Law Firm) ብኣካል ናብ ሽዱሽተ ወረዳታት ብምውፋር መፅናዕቲ ብምክያድ ክልተ ሰነዳት ኣብ መጋቢትን ሓምለን 2016 ዓ\ም ንክልላዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ከም ዘረከቡ ሓደ ካብ መስረቲ እቲ ትካልን ብዓል ሞያ ሕጊን ኣቶ ክፍሎም ገብረማሪያም ወልደሚካሌል ይገልፅ። ኣቶ ክፍሎም እቲ መፅናዕቲ ትኹረት ስሒቡን ፅቡቕ ፅልዋ ኣሕዲሩን ይብል ።

"ዛርቲ" ብዝብል ሽም ዝፅውዑ መንነቶም ዘይፍለጡ ኣካላት ናይቲ ፍሪያት ተማቐልቲ ከምዘለው እውን ክፍሎም ይገልፅ።

ሰባት ናይ ፀጥታ ይኹን ናይ ድሕነት ስግኣት ስለ ዘለዎ ብዛዕባ እቶም ብድሕሪት ኮይኖም ገንዘብ ዝማቐሉ ዘለው ኣካላት ብዝምልከት ክዛረብ ከም ዘምዘይኽእል ዝገለፀ ክፍሎም እቲ ኣጠቓላሊ ምንቅስቓስ ዕደና ምንጪ ስግኣት ፀጥታን ሰላምን ይኸውን ኣሎ ይብል።

ኣብቲ ከባቢ ናብ ማይ ዝፈስስ ሓደገኛ ከሚካል፣ ምጉሕጓሕ መሬት፣ብርሰት ኣእዋን ካልኦት ማዕድናትን ምልዋጥ ቅርፀ መሬት የጋጥምን ከም ዘሎ ክፍሎም ይገልፅ።

ትካል ሕጊ ከርመድ ‘’ዘይሕጋዊ ዕደና ትግራይ’’ ብዝብል ኣብ ዝፀሓፎ 34 ገፅ ዝሓዘ ሰነድ ቢሮ መሬትን ማዕድን ክልል ትግራይ ቅድሚ ኲናት ብሚንስትሪ ማዕድን ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ምርመራ: ዳህሳስ ከካይዳን ከምርታን ፍቓድ ዝሃበን ትካላትን ሰብ ሃብትን ፍቓዶም ክምንጥሎም ዝሓትት 11 ነሓሰ 2015 ስሩዕ ደብዳበ ፅሒፉ ነይሩ። እቲ ደብዳብ ፍቓድ ዝወሰዱ 27 ትካላትን ሰብ ሃብትን ምስ ሽም ዝርዝር ናብ ፌደራል ደብዳበ ልኢኹ ክስረዝ ሓቲቱ ነይሩ። ፌደራላዊ መንግስቲ መሊሱሎም እንተኾይኑ ንምርግጋፅ ካብቲ ቢሮ ሓበሬታ ንምርካብ ድምጺ ኣመሪካዝገበሮ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ናብ ቤት ፅሕፈት ምኽትል ሚንስተር ማዕድንን ኢነርጅን ሚሊዮን ማትዎስ ብተደጋጋሚ ስልኪ ብምድዋልን ብናይ ፅሑፍ መልእኽትን መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ካብ ከተማ እንዳስላሰ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ድማ ነጋዶ ወርቂ ካብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ካብ ወፃኢ ሃገራት ናብ ሽረ እንዳስለሰ እናመፁ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወርቂ ይሽጥሉ ምህላዎም እዩ። ነጋዶ ወርቂ ዝርከቡዎም ምንጭታትና ነዚ ክገልፁ ከለው መንግስቲ ኢትዮጵያ ብንግዲ ባንኪ ጨንፈር እንዳስላሰ ኣቢሉ ዝተፈላለዩ መተባብዒታት ይህብ ኣሎ ይብሉ። እቲ ባንኪ ነቶም ወርቂ ዘምፁኡ ኣብ ዕነ ዓለም ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ 20 መዓልታት በታ ዝኸበረት ዋጋ ከም ዝኸፍሎምን ብዙሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ንዘምፅኡ ድማ ናይ 25 ሚእታዊት ዋጋ ተወሳኺ መተባብዒ ከም ዝህቦምን ይገልፁ። ካብ ጨንፈር ንግዲ ባንኪ ከተማ እንዳስላሰ ብዛዕባ እዚ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ካብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ናብ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ኣቤል ሰለሞን ስልኪ ደወልናን ናይ ፅሕፍ መልእኽቲ ልእኽናን ምላሽ ኣይረኸብናን።

ኣብቲ ናይ ዕደናታት ቦታ ኣብ መንጎ ዓደንቲ ግጭት፣ ምቅትታል ብብዝሒ ከም ዝርኣዩ ካብ ነበርቲ ክሳብ ዳህሳስ ዘካይዱ ክኢላታት ይግለፁ። ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝተፈጠረ ግጭት እውን ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ዓዲ ኣሕመዳይ ኣብ ዝተብሃለ ወርቂ ዝወፀሉ ቦታ ኣብ ሰነ 2016 ዓ\ም ኣብ መንጎ ዓደንቲ ወርቂ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ቦምብ ተደርቢዩ ህይወቱ ዝሰኣነ መምህር ነጨይ በርሀ ኣብከተማ ሰለኽለኻ ን17 ዓመት መምህር ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝነበረን ኣብ ኵናት ትግራይ ኣባል ሓይልታት ትግራይ ብምዃን ከምዝተጋደለን ዝገለፀት ብዓልቲ ቤቱ ብርሂን ንጉሰ ክቐትሉዎ ከለው ነፍሰ-ፁር ምንባራን ሓሙሽተ ቆልዑ ገዲፉላ ከምዝሞተን ትገልፅ። ምስኡ ዝሞቱ ሸውዓተ ምዃኖም ዝገለፀት ንሳ ክሳብ ሕዚ ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ሰብ ከም ዘየለ ትዛረብ።

ሕፃፅ ኣብ ዝተብ ናይ ወርቂ ቦታ ኣብ መንጎ ክልተ ክፍለ ሰራዊት ግጭት ተፈጢሩ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ተፈሊጡ ኣሎ። ናይቲ ግጭት ምኽኒያት ንዕደና ዝመፀ ኩባኒያ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ኣይነሕልፍን ስለ ዝበለ ካብ ፌደራል ሕጋዊ ፍቓድ ዝሓዙ ስለዝኾኑዮም ክሓልፉ ኣለዎም ዝበለት ክፍለ ሰራዊትን ህዝቢ እንተድኣ ዘይኣሚኑሉ ክኣትው የብሉን ዝበለት ክፍለ ሰራዊትን ብዝተፈጠረ ግጭት ክልተ ኣባላት ሰራዊት ተቐቲሎም።

ካብ ኩባኒያ ዕደና ወርቂ ኢዛና መብርሂ ንምርካብ ናብ ሓላፊ እቲ ኩባኒያ ተስፋፅዮን ደስታ ተደጋጋሚ ስልኪ ደዊልናን 2 ሕዳር 2017 መልእኽቲ ጽሑፍ ልኢኽናን መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮም ፃዕርታት ኣይተዓወተን።

ከተማ እንዳስላሰ ማእኸለ መሸጢ ወርቂ ካብ እትኸውን ፀኒሓ ኣላ። ናይ ኮብል ስቶን መገዲ ተዓፅዩ ሃይሃይታ መሸጣ ወርቂ ዝኾነትሉ ሃዋህው ተፈጢሩ እዩ። ሕዚ ድማ ካብ በረኻታት ሓመድ እናተፅዓነ ብኬሚካላት ወርቂ ዝሕፀበላ ንጥዕና ሓደገኛ ናብ እትኾነሉ ኩነታት ተምርሕ ከም ዘላ ካብታ ከተማ ይወፁ ዘለው ሓበሬታታት ይገልፁ።

ብዛዕባ እቲ ወራር ማዕድን፣ ምጥቃም ሓደገኛ ከሚካልን ሓደጋ ዘይሰሩዓት ዕጡቓትን መብርህን መልስን ንምርካብ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ፣ ምኽትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ሓዊሱ ዝደወልናሎም ሰበስልጣን ክልልን ፌደራልን ንምምላስ ፍቓደኛ ኣይኮኑን።

እዚ መደብ እዚ ብሬድዮ ድምፂ ኣመሪካ ምስ ተመሓላለፈ ኩባኒያ ልምዓት መዓድንን ኢዛና ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ "ግልጋሎት ድምፂ ኣመሪካ ክፍሊ ትግርኛ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዕደና ትግራይ ኣመልኪቱ ካብ ኢዛና/ትእምት ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ከይሓተተ …ኢዛና/ትእምት ብዝምልከት ዝተዛበዐ ሓበሬታ ፈንዩ'ሎ፡’ ይብል። ኢዛና ቅድሚ ኲናት ክልል ትግራይ ምስ "ኒውሞንት ማይኒንግ ኮርፖሬሽን ምስ ዝበሃል ሓደ ናይ ኣመሪካን ሃርቨስት ማይኒንግን ሳን ፔክ ሜታልስ ኮርፖሬሽንን ምስ ዝተባህሉ ናይ ካናዳን ኩባንያታት ብልፍንቲ እናሰርሐ ዝፀንሐ ኮይኑ፣ ድሕሪ ኲናት ግና እዞም ትካላት ብሰንኪ ፀገም ፀጥታን ዘይምርግጋዕን መፂኦም ዳግም ስርሖም ክጅምሩ ኣይከኣሉን። ካብዞም ዝተጠቐሱ ሰለስተ ትካላት ኣመሪካን ካናዳን ወፃኢ ኢዛና ምስ ዝኾነ ካልእ ትካል ወፃኢ ዛጊድ ብልፍንቲ ዝሰርሖ ስራሕ ዕደና የብሉን፡’’ ኢሉ።

እዚ ኣብ ወረዳ ኣስገደ፣ ጣብያ ልምዓት ዝርከብ ፋብሪካ ወርቂ ሜሊ/ ኢዛና ካብ ብኽለት፣ ብርሰትን ስነ-ከባቢ ነፃ ዝኾነ እዩ ኢሉ ኣሎ።

ድምፂ ኣመሪካ ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቐሰ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ ኩባኒያ ልምዓት መዓድንን ኢዛና ኣቶ ተስፋጽየን ደስታ ተደጋጋሚ ስልኪ ከም ዝደወለንብፅሑ ዝተረጋገፀ ናይ ዋትስኣፕ ናይ ፅሑፍ መልእክቲ ብ2 ሕዳር 2017 ዝለኣኸ ምዃኑ ንምርግጋፅ ንፈቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG