ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ስካውት ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቆይሙ


ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ስካውት ዩኒቨርስቲ'ዩ

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ኣኼባ ካብ ጥልያንን ህንድን ዝመፁ ኣባላት ስካውት ተሳቲፎም እዮም። ኣብ ኢትዮዽያ ንፈለማ እዋን ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ማሕበር ስካውት ኣብ መቐለ ተጣይሹ ኣሎ። ኣቦ ወንበር ማሕበር ስካውት ትግራይ ኣይተ ከሳቴ ለገሰ ኣብ ትግራይ 4,500 ብደረጃ ኢትዮጵያ ድማ 33,000 ኣባላት ስካውት ከምዘለዉ ገሊፆም። ሐዚ ድማ “ኣብ ታሪኽ ኢትዮዽያ ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ እንትጣየሽ 300 መናእሰይ ሰልጢኖም ኣለዉ’’ ኢሎም። ኣብ ስካውት ኣባላት ዝኾኑ መናእሰይ ንኣመራርሓ ዝበቕዑ ናይ ምውሳን ተኽእሎ ዘለዎም ንምዃን ይሕግዞም ይብሉ ኣይተ ከሳቴ።
ኣብቲ ዋዕላ ተወከልቲ ማሕበር ስካውት ጥልያንን ህንድን ስካውት ብፍላይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንዝርከቡ መናእሰይ ብኸመይ ከምዝጠቕሞም ዘለዎም ልምድን ተመክሮን ኣሕሊፎም። ስካውት ኣብ ህንዲ 103 ዓመት ዕድመ ከምዘቑፀረ ፕሮፌሰር ሃሳራኒ ሲስ ገሊፆም። ካብ ጥልያን ንዝመፁ ኣባላት ስካውት ካብ ዘተሓባብሩ ሓንቲ ኤሊዛ ኮንዲኒ ድማ “ተመክሮና ካብ ትግራይ ወፃኢ ንዘለዉ ካልኦት ማሕበራት ስካውት እውን ክነሕልፍ ዝላዓለ ድልየት ከምዘለዎም ገሊፆምልና ኣለዉ ንሕና እውን ንሕቶኦም ብፀጋ ተቐቢልና ኣለና’’ ኢለን።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ብብደረጃ ዓለም 28 ሚሊዮን ስካውት ከምርከቡ ተገሊፁ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG