ወናኒ ክብረ ወሰን ኣብ 3-ሽሕ ሜትሮ ናይ መሰናክል ጉያ ኢትዮጵያዊ ለሜቻ ግርማ፣ ድሕሪ’ቲ ትማሊ ኣብ እዋን ውድድር ዘጋጠሞ ሓደጋ፣ ኣብ ሆስፒታል ይሕከም ኣሎ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ህዱእ ኩነታት ከምዘሎ’ውን ንኮሚተ ኦሎምፒክ ፓሪስ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ነቲ ኩነታት ዝተጠቐመሉ ሞሮካዊ ሱፍያን ኣል ባካሪ ንካልኣይ ጊዜ ሜዳልያ ወርቂ ዓቲሩ`ሎ።
እንተኾነ ዓወት ኣል-ባካሪ፣ በቲ ንናይ መወዳእታ መሰናክል እናሰገረ ከሎ ሃንደበት ዝወደቐ ለሜቻ ተዓብሊሉ እዩ።
ድሕሪ ለሜቻ ተሰናኺሉ ምውዳቑን ካብ’ቲ ውድድር ምውጽኡን፣ ሞሮካዊ ኣል-ባካሪ፣ ዓወቱ ርጉጽ ከምዝኾነ ኣቐዲሙ ስለዘረጋገጸ፣ ኣእዳው ዘርጊሑ ታሕጋሱ ምግላጽ ዝጀመረ ኣቐድም ኣቢሉ ነይሩ። ብመሰረት’ዚ፣ ሞሮካዊ ሱፍያን ኣል ባካሪ ኣከታቲሉ ኣብ ውድድር መሰናክል3,000 ሜትሮ ክልተ ጊዜ ተዓዊቱ ኣሎ።
ኣብ 1932ን 1936 ውድድራት ኦሎምፒክ፣ ፊንላንዳዊ ቮልማሪ ኢሶ ሆሎ፣ ኣከታቲሉ ክልተ ጊዜ ነዚ ርሕቀት’ዚ ካብ ዝዕወት ንዳሓር ንፈለማ ጊዜ ክልተ ኣከታቲሉ ዝተዓወተ ሞሮካዊ ሱፍያን ኣል ባካሪ ኮይኑ ኣሎ።
ቅጥዒ