ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣምባሳደራ ዳግም ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ልኢኻ


GIRMA ASMEROM
GIRMA ASMEROM

ዥን ፒንግ ንኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ተቐቢሎምዎም

ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ኤርትራ ብምዃን ናይ ሽመት ደብዳብኦም ንኣቦመንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዦ ፒንግ ኣብዚ ሰሙን ኣረኪቦም

ዲፕሎማሰኛታት እቲ ስጉምቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርክብ ናይ ምምሕያሽ ምልክት ኣየርኢን ኢሎም።
ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝወፀ መግለፂ ከምዝሓበሮ ፒንግ ኤርትራ ናብቲ 53 ኣባል ሃገራት ዘለዎ ውድብ ምምላሳ ታሕጓሶም ገሊፆም።

ኤርትራ እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣ/ፈ ዝተኻየደ ዅናት ንኸብቅዕ ዝተፈረመ ናይ ሰላም ስምምዕ ኢትዮጵያ ክትጥሕሶ እንተላ ሕብረት ኣፍሪካ ኣየውገዘን ክትብል ብምቅዋም ኣምባሳደራ ስሒባ'ያ።እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ኣብቲ ስምምዕ ቀንዲ ተዋሳኢ'ዩ ነይሩ።

ብመሰረት ፃውዒት ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪካ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣብ 2009 ኣ/ፈ ንሶማሊያዊያን እስላምዊ ተዋጋእቲ ሓገዝ ብምሃባ፡ ሕቡራት መንግስታት ንኤርትራ ንክቐፅዓ ከምዝሓተተ ዝዝከር'ዩ።ኤርትራ ብትሪ እንተነፀገቶ እውን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣስመራ እገዳ ኣፅዋር ምድስካል ንብረትን ናይ ጉዕዞ እገዳን ሓዊሱ ጠንካራ ማዕቐባት ኣንቢሩ'ዩ።

ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዣን ፒንግ፡ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዳግም ንኸይትምለስ ኢትዮጵያ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ምትእንጋድ ሓላፍነታ ተጠቒማ ንኤርትራ ኸልኪላታ'ያ ዝብል ናይ ኤርትራ ኽሲ ዝሓለፈ ዓመት ነጺጎምዎ ነይሮም። ፒንግ ኤርትራ ናብቲ ውድብ ንኽትምለስ ብዘይምስልካይ ከምዝሰርሑ ዲፕሎማሰኛታት ይገልፁ።

ምንስትሪ ወፃኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኤርትራ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኸይትምለስ ዝኾነ ይኹን ፈተነ ከምዘይገበረ ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።ወሃቢ ቃል ምንስትሪ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ዲና ሙፍቲ ብስልኪ ኣብዝሃብዎ ቃለመጠይቕ፡ ኤርትራ ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ዳግም ምምላሳ ኣብ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘስዕቦ ለውጢ ከምዘይብሉ ገሊጾም። “ምስቲ ኩነት ዘራኽቦ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን።ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ኣተኣናጋዲት ሃገር ኢና።ንሕብረት ኣፍሪካ ዘድሊ ናይ ምስላጥ ግዴታ ኣለና።ርክብ ምስ ኤርትራ ናብቲ ዝነብሮ ምስ ምምላስ ዘራኽብ ነገር የብሉን” ኢሎም።

ኤርትራ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ካምፓላ ኣብዘካየዶ ጉባኤ ዝለዓለ ተዓዛቢ ልኢኻ ነይራ።

XS
SM
MD
LG