ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ፀሓፊ 7 ግንቦት ኣብ የመን ተታሒዞም


ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ
ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ

ዋና ፀሓፊ ሸውዓተ ግንቦት ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ኣብ የመን ከምዝተታሓዙ ተፈሊጡ።

ሸውዓተ ግንቦት ኣብ መግለፂኡ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተኣሰሩ ይሕብር።

ኣቦ መንበር‘ቲ ውድብ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ካብ ዱባይ ናብ የመን ብመንገዲ ኣየር የመን ኣብ ዝኣተውሉን ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምስጋር ይፅበይሉ ኣብ ዝነበሩሉ ሰዓት ብሓይልታት የመን ከምዝተታሓዙ ጠቂሶም።

ሰበ-ስልጣን የመን ስለምንታይ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ዝፍለጥ ነገር የለን ዝበሉ እቶም ኣቦ-መንበር ምጥሓስ ውዕል ጀኔቫ‘ዩ ኢሎም።

ኣቶ ኣንዳርጋተው ፅጌ ናብ ኢትዮዽያ ሓሊፉ ክዋሃብ ይኽእል‘ዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ግን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምሃብ ከምዘይደልዩ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG