ብገበን ፈጠራ ራዕዲ ተጠርጢሮም ካብ ሞንጎ ዝተኣሰሩ ሓደ ኪነ-ጥበባዊ ደበበ እሸቱ ምኻኑ ተገሊፁ።መንግስቲ ኢትዮዽያ ብወገኑ ኣቶ እሸቱ ዝተኣሰረ ምስ 7 ግንቦት ብዝተኣሳሰረ‘ዩ ይብል።
ነባር ናይ ፊልምን መድረኽን ተዋሳኣይ ኣቶ ደበበ እሸቱ፣ብቴሌቭዥን ኢትዮዽያ ኣእዳው ተኣሲሩ ተራእዩ‘ሎ።ብመሰረት ኣብ‘ዚ ቀረባ ዝፀደቀ ሓድሽ ሕጊ ፀረ-ፈጠራ-ራዕዲ‘ዩ ተታሒዙ።
ምእሳር ኣቶ ደበበ እሸቱ ንብዙሓት ኣሰምቢዱ‘ሎ።ምስኡ ኣባል ቅንጅት-ነበር ዝኾኑ ዶ/ር መስፍን ወ/ማርያም ”ከምእምነተይ፣ ደበበ እሸቱ ኣብ ዝኾነ ጎነፃዊ ውጥን ኢዱ ዝሓውስ ሰብ ኣይኮነን” ኢሎም።
ኣቦ-መንበር መድረክ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ብወገኖም፣እቲ ስጉምቲ ንገዛኢ ፓርቲ ዝቃወም ሰብ እንታይ ከምዝፅበዮ ንምሕባርን ንምፍርራሕን‘ዩ ይብሉ።
”ንሰባት ኣፀሊምካ ብዘመበገሲ ንምእሳርን‘ዩ ዒላምኡ።ነዞም ዝተታሓዙ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ማእሰርቲ ወፃኢ ንዘለው ሰባት‘ውን ንምፍርራሕ‘ዩ። ሓደ ነገር ንመንግስቲ ክንገልፀሉ - እዚ ኣይጠቅመካን።ንናፅነትን ንቃልስን ዝያዳ‘ዩ ዘሕርነና ዝብል‘ዩ” ኢሎም።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ግብረ-ሓይሊ ፀረ-ግብረ-ሸበራ ኢትዮዽያ ንኣቶ ደበበ እሸቱ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ይከታተሎ ፀኒሑ‘ሎ ይብሉ መንግስታዊ ወሃቢ-ቃል ኣቶ ሽመልስ ከማል ”ብመሰረት ሓበሬታ ፈዴራላዊ ፖሊስ፣ኣቶ ደበበ ዝተኣሰረሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስ ጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲ 7 ግንቦት ብሕቡእ ይንቀሳቀስ ስለዝፀንሐ‘ዩ።ፖሊስ ብዛዕባ‘ዚ ውልቀ-ሰብ‘ዚ ንፁር ሓበሬታ ሒዙ‘ሎ።ክሳብ ሰዓቱ ኣኺሉ፣ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘውዐሉዎ፣ፖሊስ ብቀረባ ይከታተሎ ፀኒሑ‘ሎ” ኢሎም።
ኣብ ኢትዮዽያ ዝተኣገደ 7 ግንቦት ብዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ዝምራሕ ውድብ‘ዩ።ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ናይ 2005 ምርጫ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ክኾኑ ዝተመርፁን፣መንበሮም ዘይሓዙን፣ዳሓር ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ስደት ዝነብሩን ምኳኖም ዝፍለጥ‘ዩ።
ምስ 7 ግንቦት ይራኸብ'ዩ ዝብል ክሲ ቀሪብዎ'ሎ