ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ 1,870 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘመንጭው ግልገል ጊቤ III ተመሪቑ


እቲ መመንጨዊ ጸዓት ኣብ ህንጸት ንዘሎ ናይ ህዳሰ ግድብ ቀጺሉ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዝዓበየ ግድብ’ዩ። እቲ ፕሮጀክት ካብ ከባብያዊ ተሓለቕቲ ትካላት ክለዓል ዝጸንሓ ተጽዕኖ ተጻዊሩ’ዩ ኣብዚ በጺሑ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብቲ ስነስርዓት መመረቕታ ገሊጾም።

ግልገል ጊቤ III
ግልገል ጊቤ III

ኣብ ማእኸል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዞባታት ዳውሮን ወላይታን ዝርከብ እቲ ግድብ መመንጨዊ ጸዓት ግልግል ጊቤ III ምስቶም ኣብ ተፋሰስ ኦሞን ጊቤን ዝርኸቡ ግልግል ጊቤ ሓደን ክልተን እውን ተጸንቢሩ’ሎ።

እቲ ሓድሽ መመንጨዊ ጸዓት 1,870 ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘመንጭው ንቀረብ አገልግሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ ወይ ጸዓት’ታ ሃገር ብ94 ሚእታዊት ክብ ዘብልን 14 ቢልዮን ሜትር ኹቢክ ማይ ዝሓዘን ሰብ ዝሰርሖ ግድብ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

ኣብ ኢትዮጵያ 1,870 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘመንጭው ግልገል ጊቤ III ተመሪቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:27 0:00

ኣብ ኢትዮጵያ 1,870 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘመንጭው ግልገል ጊቤ III ተመሪቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:17 0:00

XS
SM
MD
LG