ኣዲስ ኣበባ —
እቲ መመንጨዊ ጸዓት ኣብ ህንጸት ንዘሎ ናይ ህዳሰ ግድብ ቀጺሉ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዝዓበየ ግድብ’ዩ። እቲ ፕሮጀክት ካብ ከባብያዊ ተሓለቕቲ ትካላት ክለዓል ዝጸንሓ ተጽዕኖ ተጻዊሩ’ዩ ኣብዚ በጺሑ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብቲ ስነስርዓት መመረቕታ ገሊጾም።
ኣብ ማእኸል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዞባታት ዳውሮን ወላይታን ዝርከብ እቲ ግድብ መመንጨዊ ጸዓት ግልግል ጊቤ III ምስቶም ኣብ ተፋሰስ ኦሞን ጊቤን ዝርኸቡ ግልግል ጊቤ ሓደን ክልተን እውን ተጸንቢሩ’ሎ።
እቲ ሓድሽ መመንጨዊ ጸዓት 1,870 ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘመንጭው ንቀረብ አገልግሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ ወይ ጸዓት’ታ ሃገር ብ94 ሚእታዊት ክብ ዘብልን 14 ቢልዮን ሜትር ኹቢክ ማይ ዝሓዘን ሰብ ዝሰርሖ ግድብ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።
መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ