ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግደይ ጀርዲን ኣብነታዊ ሓረስታይ ትግራይ


ባህሊ ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ክልወጥ ኣለዎ'ውን ይብሉ

ኣብ ሑመራ ጥቓ ሩባ ተከዘ ዝነብሩ ኣቦይ ግደይ ገብረሊባኖስ (ግደይ ጀርዲን) ኣብ ትግራይ ንነዊሕ ዓማውቲ ኣብ ልምዓት መስኖ ወፊሮም ፅቡቕ ውፅኢት ብምምዝጋብ ይፍለጡ::

ግደይ ጀርዲን ኣብ እዋን እዚ ልዕሊ 6 ሽሕን 5 ሚኢትን ዓይነታት ተኽሊ ፍራምረ የፍርዩ ኣለዉ::በዚ ኣብነታዊ ውፅኢት ስረሖም ድማ ሓርበኛ ልምዓት ዝብል ማዕረግ ረኺቦምን ሎምዘበን መተባብዒ ሽልማት ተዋሂቦምን እዮም:: ካብ ሩባ ተከዘ ማይ ስሒቦም እውን ይጥቀሙ:: ንተከዘ ድማ ‘ኣምለጠ’ ዝብል ሽም ጠሚቖሞ ኣለዉ::

ግዳስ መንግስቲ ትግራይ ሄልኮፕተር እዩ ክሽልመኒ ነይሩዎ እዮም ዝብሉ:: ነዚ ምኽንያት ኢሎም ዘቕርብዎ ኻዓ ዝበዝሕ ህዝቢ ኢትዮጲያ ባህሊ ስራሕ ስለዘይብሉስ ህዝቢ ነናብ ዘለዎ ከይደ ከምህሮ ስለዝደሊ እዬ ይብሉ:: ሰንበት ጥራሕ እናኽበረ ኣብ ኩሎም ካልኦት ማዓልታት ክስራሕ ሃይማኖታዊ ትእዛዝ ይፈቅድ እዩ ብምባል ይምዕዱ::

ህዝቢ ኢትዮጲያ ብዋሓዝቲ ሩባታት ዝሃፍተመት መሬት ሒዙ ክስደድን ክርዳእን ኣይምተገበአን እንትብሉ ብምሒር ምቁጫጭ ይዛረቡ::

“ኣነ ኣብ ኢትዮጲያ ጌይሶ፣ሓሽሽ፣ጫትን ትምባኾን ክትከል ኣይደልን” ኢሎም ግደይ ጀርዲን::

Recommended

XS
SM
MD
LG