ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ፕሬዝዳንት ጋና ቃለ-ምሓላ ፈፂሞም


ናና ኣኩፎ-ኣዶ መራሕቲ ኣፍሪካ፣ኣጋይሽን ኣሽሓት ጋናዊያንን ኣብ ዝተረኽብሉ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ፓርላ እታ ሃገር ቃለ ምሓላ ፈፂሞም ኣለው።ጋናዊያን ናይ እዋኑ ቁጠባዊ ፀበባ ከብቅዕ ትፅቢት ይገብሩ።

እቶም ሓድሽ ፕሬዝዳንት ዝወረስዎ ድኹም ቁጠባ፣ዝለዓለ ዕዳን ዝቕባበን ሓዊሱ ከዐርዩ ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ስራሕ ይፅበዮም ኣሎ።

ፕሬዝዳንት ኣኩፎ-ኣዶ ንኩሎም ጋናዊያን ብልፅግና ከስፍን እየ ክብሉ ኣብ ስነስርዓት ፅምብል ተመፃቢዖም።’’ኣብ ሃገርና ሃፍቲ ክንፈጥርን ፍስሃ ናብ ዝነብሮ ክንመልስን ኢና’’ዝበሉ ንሶም ‘’እዚ ክስራሕ ዝክኣል ግን ኣብ ቁጠባ ዓለምለ ዝወዳደር ዝተምሃረን ዝሰልጠነን ህዝቢ ክህለወና ከሎ ጥራሕ፤ኣድማስና ብምስፋሕ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ከም ወሰንቲ መሳርሕታት ክንወስዶም ይግባ’’ኢሎም።

ገሊኦም ጋናዊያን መናእሰይ ካብ መንግስቲ ኣኩፎ-ኣዶ ዝለዓለ ትፅቢት ይገብሩ።ሳሊፉ ፋቱ ዝተብሃለ ኣብ ስራሕቲ መሸጣ ዝተዋፈረ ወሃቢ ሪኢቶ ድልየት መናእሰይ ስራሕን ዝሓሸ ደመወዝን ስለዝኾነ እቶም ሓድሽ ፕሬዝዳንት ብዙሕ ስራሕ ከፈጥሩ ኣለዎም ይብል።

ፋዲላቱ ኣሕመድ ብወገና ቁጠባ እታ ሃገር ብዙሕ ከምዘሻቕላ ትዛረብ።’’ትፅቢተይ መንግስቲ ወይ ሓድሽ ፕሬዝዳንትና ኣብ ቁጠባ ክሰርሑ እዩ፤ንዕኦም ዝመረፅኩሉ ምኽንያት እውን እዚ እዩ።ቁጠባ ሃገርና ኣዚዩ ሕማቕ ኣሎ፤ናይ ገንዘብና ዋጋ ኣዚዩ ወሪዱ’ሎ’’ኢላ።

ካልእቲ ወሃቢት ሪኢቶ እውን ናይ ትምህቲ ክፍሊት ክወርድ ተስፋ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG