ከም ብዙሓት ምስ ምስፋሕ ማሕበራዊ መራኸቢታትን በበይኖም ናይ ረብሓ ጉጅለታትን ጋና’ውን ብብዝሒ ዘይቅኑዕን ኰነ ኢልካ ዝዝርጋሕ ስኑዕ ሓበሬታትን ትሳቐ’ያ። ኣብ ኣክራ ጋና ዝነጥፍ ሓደ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ድማ ነቲ ዘሎ ሃጓፍ ንምምላእ ይጽዕር ኣሎ።
ክዋኩ ኣሳንተ ንቅኑዕነት ሓበሬታ ዘጻሪ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ጋና ዝመርሕ’ዩ። እቲ ጉጅለ ኣብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣዝዩ ግኑን ዝዀነ ዝንቡዕን ስኑዕን ሓበሬታት ኣብ ምቅላስ ተጸሚዱ ይርከብ። እቲ ብልሙዳት መራኸቢታትን ማሕበራዊ ሜድያን ዝዝርጋሕ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ብዙሕ ብምዃኑ እዚ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ወትሩ ኣብ ስራሕ ጽሙድ ምዃኑ’ዩ ኣሳንተ ዝገልጽ።
“ብዙሕ ጌጋ ሓበሬታ’ዩ ዝዝርጋሕ። መዓልታዊ ንግሆ ኣብ ዝተንሳእኩሉ ‘እዚ ሓበሬታ ቅኑዕ እንተዀይኑ ከተጻርዩልና’ዶ?’ ዝብሉ ሕቶታት ኢና እቕበል። ንምጽራይ ሓበሬታ ሓገዝ ዝሓቱ ብዙሓት’ዮም። ድሕሪኡ ድማ መሚና እቲ ቅኑዕ መልሲ ንነግሮም።”
ምጽራይ ሓበሬታ ሓደ ካብቲ ኣሳንተ ተገዲሱ ዝሰርሓሉ ዓውዲ’ዩ። ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ድማ ጋናውያን ቅኑዕ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ሰሪሑ።
ስራሑ ቀጥታዊ ኣበርክቶ ስለ ዝህሉዎ ድማ ዕጉብ ምዃኑ ይነግር። ንኣብነት ከም እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ዝርአ ዝነበረ ኣዝዩ ብዙሕ ዝንቡዕ ሓበሬታታት ንህዝቢ ብቐረባ ስለ ዝጸልዉ ድማ ኣብዚ ባህታ ዝህብ ስራሕ ኢሉ ዝገለጾ ምውፋሩ ኣሳንተ ይሕብር።
ተመሃሪት ዩኒቨርስቲ ፖርሺያ ፋፋፍሊ ገድዛ ሓደገኝነት ዝንቡዕ ሓበሬታ ብቐረባን ብግብሪን እትፈልጦ’ዩ። ሓደ እዋን ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ማማዱ ብዋማይ ገንዘብ ይዕድል ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ምስ በጽሓ ኣሚናስ ረባሒት እቲ ምዕዳል ገንዘብ ንምዃን’ውን ፈቲና’ያ።
“ሓደ ሰብ ብዋሚያ ገንዘብ ይዕድል ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ሰዲዱለይ። ነቲ ዝለኣኸለይ መልጋቦ ጠዊቐ፡ ነቲ ዝተባህለኒ ሕቶታት መሊሰ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ መልእኽቲ ኣብ ዋትስኣፕ ምስ ኣካፈልኩዎ ገንዘብ ክቕበል ምዃነይ ተሓቢሩኒ። ገንዘብ ኣይበጽሓንን። ድሕሪኡ ግን ሓደ ሰብ ጌጋ ሓበሬታ ምዃኑ ነጊሩኒ። ግዜይን ጉልበተይን ነቲ ጌጋ ሓበሬታ ኣብ ምክፋል ክንደይ ደኺመ።”
ኣሳንተን ብጾቱን ዘይቅኑዕ ምስልታት ቪድዮ ንምርግጋጽ ኢንቪድ ዝብል መሳርሒ ይጥቀሙ። ካልኦት መሳርሒታት ከም ጂኦስፓይ ዝኣመሰሉ’ውን ኣብ ኦንልያን ንዝተዘርግሐ ሓበሬታ ቅኑዕ ድዩ ኣይኰነን ንምልላይ ከም ዝሕግዙዎም ኣሳንተ ይነግር።
ሓበሬታ ኣብ ምጽራይ ዝሰርሑ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃ ግን ኣብ ጋና ጥራይ ዘተኰሩ ኣይኰኑን። ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ከም ጋዜጠኛ ዝሰርሐ ራዲዩ ኣላሃሳን ንኣብነት ንምሉእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝሓቍፍ ፋክት-ስፐይ ኣፍሪካ ዝተባህለ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ዝመርሕ’ዩ።
“ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ሃጓፍ ተጠቒሞም ኩነታት ንምምዝማዝ ዝተዳለዉ ብዙሓት’ዮም። ውሑዳት ኣባላት ደኣ ይሃሉዉና እምበር ነቲ ዝፍኖ ጌጋ ሓበሬታ ቅኑዕነት ኣብ ምልባስ ንሰርሕ ኣሎና።”
ኣላሳን’ውን ልክዕ ከም ኣሳንተ እቲ ዝፍኖ ሓበሬታ ቅኑዕ ዲዩ ጌጋ ንምፍላይ ብዙሕ ኣገባባት ከም ዝጥቀም ይነግር። ካብቲ ተስፋ ዝህቦ ድማ ሓበሬታ ንምጽራይ ዝደልዩን ዝጽዕሩን ጋዜጠኛታት ምብዝሖም’ዩ። ዝያዳ ኵሉ ድማ ኣብዚ ዓውዲ ዝግደሱ ጋዜጠኛታት ምብርካቶም ኣላሳን ይሕብር።
ቅጥዒ