ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

` ንጉሰ ነገስት ዘ-ኣፍሪቃ ` ኢሎም ንነብሶም ዝገልፁ ገዳፊ ስለዝሞቱ ኣፍሪቃ ኣይሓዘነትን


ካብ ዚምባብዌን ኡጋንዳን ጥራሕ ናይ ሓዘን መግለፂ ተሰሚዑ

ኣብ ልዕሊ ሞት መራሒ ሊብያ ዝነበሩ መዓሙር ገዳፊ ካብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝቃላሕ ዘሎ መልሲ፣ልዙብ’ዩ።ናይ ገዳፊ ቅዲ ምሕደራ ከይሃስስ ይኽእል‘ዩ፣ናብ’ቲ ኣህጉራዊ ውድብ ይውሕዝ ዝነበረ ገንዘባዊ ደገፍ ግና ኣኺልዎ እዩ።

ሞት ንጉሰ-ነገስት ዘ-ኣፍሪቃ ኢሎም ንነብሶም ይገልፁ ዝነበሩ ገዳፊ፣ኣብ መላእ‘ታ ኣህጉር ሓዘን ዘይኮነስ ዕረፍቲ‘ዩ ኣስዒቡ።

ኣብ መርበብ ትዊተርን ፈስቡክን ዝዝርግሑ ዕላላት፣ብኣብዛሓ ናይ ገዳፊ ሞት ከምዘሐጎሶምን፣ከም መራሒ ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒን መራሒ ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋቤን ተመሳሳሊ ዕፃ ደኾን የጋጥሞም ኢሎም ይሓቱ።

ኣብ ናይጀርያ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ትልግስ ሜርይ ኣን፣ሞት ገዳፊ ነቶም ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ስልጣን ክንፀንሕ ኢና ዝብሉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘይምነይዎ ዕድሎት‘ዩ ሓቢሩዎም ትብል።

”ኣብ‘ዚ ከባቢና ንዝርከቡ መራሕቲ ትምህርቲ‘ዩ ዝኾኖም።ስልጣን ካብ ኣምላኽ ምኻኑ፣ኣብ ዝወሰኖ ጊዜ ድማ ነቲ ስልጣን ክወስዶ ከምዝኽእል ክፈልጡ ኣለዎም” ትብል።

ንኣፍሪቃ ብዙሕ‘ዮም ሰሪሖምላ ኢሎም ንገዳፊ ዝናኣዱ ወሃቢ-ቃል መንግስቲ ኡጋንዳ ፍሬድ ኦፖሎት ብወገኖም፣ንክውንነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዙሕ ዝሰርሑ ፓን-ኣፍሪካኒስት ተባሂሎም ኣብ ኡጋንዳ ክዝከሩ‘ዮም ኢሎም።

ኣባል ገዛኢ ፓርቲን ፓርላማን ዚምባብዌን ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ሞት ገዳፊ ዘሕዝን፣ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ንምድሓን ገዳፊ ዝያዳ ክንቀሳቀስ ነይሩዎ ኢሎም።

ሊብያ ንባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ እታ ዝዓበየት ሓጋዚት ሃገር‘ያ‘ውን ነይራ።

ድሕሪ ዜና ሞት ገዳፊ፣ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ኣልዒሉ፣ብጊዚያዊ መንግስቲ ሊብያ ንክታሓዝ ወሲኑ‘ሎ።ብዘይካ‘ዚ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ንጊዚያዊ መንግስቲ ሊብያ ኣብ መስከረም ኣፍልጦ ክህብ ከሎ፣ ንሓዳስ ባንዲራ ሊብያ ድማ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንበልቢሉ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG