ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ 5 ናብ ተቃውሞ ዝወጹን 4 ፖሊስን ሞይቶም ይብል መንግስቲ፣ ተቃወምቲ ግና ካብ 30 ክሳብ 40 ሞይቶም ይብሉ


ጌታቸው ረዳ
ጌታቸው ረዳ

መብዛሕተኦም ሕቶታት ምስ ጉድለት ግልፅነት ዝተሓሓዙ ስለዝነበሩ መልሲ ድሕሪ ምርካቦም በቲ ህውከት ተለኪሞም ዝነበሩ ተማሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ተመሊሶም’ዮም ኢሎም ኣቶ ጌታቸው ረዳ።

መንግስቲ ብዝሒ ዝሞቱ 5 ሰባት’ዮም ክብል ከሎ ተቃወምቲ ግና ክልተ ዝተፈላለዩ ኣሃዛት ይህቡ። መድረክ 32 ክብል ከሎ፣ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ድማ 40 ይብል።

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ንርትዓዊ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ክልላዊ መንግስቲን ገዛኢ ፓርቲን ምስ ህዝቢ ልዝባት ድሕሪ ምክያዶም፣ ተቃወምቲ ከምቲ ዝምነይዎ ክቅፅለሎም ስለ ዘይካኣለ፣ ነቲ ብመሰረቱ ህውከት ዘይተፈለዮ ተቃውሞ መኣዝኑ ቀይሮም ናብ ዝፈለየሉ ዕጥቃዊ ግጭት ኣረሳሲኖምዎ’ዮም ኢሎም።

እቲ ህውከት ካብ ሞንጎ ዝተራኣየለን 18 ወረዳታት ክልል ኦሮምያ፣ ሎሚ ኣብ ክልተ ወረዳታት ጥራሕ’ዩ ተሓፂሩ ዘሎ። ብልዝብ ፍታሕ ክርከብ ጀሚሩ'ሎ፣ ቀደሙ’ውን ማስተር ፕላን ኣዲሳበባ ሰበብ’ምበር ጠንቂ ኣይነበረን በሉ ንሶም። ስለዚ ስግኣት ዝሓደሮም ሓይልታት፣ ዕጡቅ ሓይሊ ኣሰሊፎም፣ ናብ ዝፈለየሉ ግጭት ዝኣተውሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:53 0:00

XS
SM
MD
LG