ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕሬዝዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንክኾኑ ብህወሓት ተሓፅዮም


ኣባላት ማእከላዊ ኮሚቴ ህወሓት ሎሚ 8 መጋቢት 2015 ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝጣየሽ ጊዝያዊ ምምሕዳር ሕፁይ ፕሬዝዳንት ክኾኑ ብድምፂ ብልጫ ከም ዝተሓረዩ ነቲ ውድብ ቅርበት ካብ ዘለዎም ኣካላት ድምፂ ኣሜሪካ ኣረጋጊፁ።

ዓለምለኸ ማሕበር ምሁራን ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሌ/ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ምክትል ፕሬዝዳንት እቲ ክልል ክኾኑ ብሕፅዩነት ከም ዘቕረበ ይዝከር።

ሹመት ኣይተ ጌታቸውን ካልኦት ኣባላት ካቢኔ እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳርን: ኣመራርሓ እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ጉዳይ ምጥያሽ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘትዮም ድሕሪ ምፅዳቖም እቲ ምምሕዳር ስርሑ ክጅምር እዩ ተባሂሉ።

XS
SM
MD
LG