ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝበጽሑ ሰብ-መዚ ኣመሪካ ምስ ፕረ. ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተራኺቦም ተዘራሪቦም


ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሞሊ ፊ፣ ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣመሪካ ማርቪን ማሲንጋን ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ምምይያጦም ገሊፆም። ኣቶ ጌታቸው ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘስፈርዎ መልእኽቲ ኣካል ኣብ ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝግበሩ ፃዕርታት ንውዕል ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ቕልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ ከምዘለና ቀንዲ ትኹረት ዝርርብና ነይሩ ኢሎም። እቲ ናይ ኤክስ መልእኽቲ እቲ ህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምፍታሕ ነባሪ ሰላም ንምርግጋፅ ምስ ኣመሪካን ምስ ካልኦት ሰብ ትሕጃን ብቐረባ ንምስራሕ ቆሪፅና ከምዘለና ኣረጋጊፀሎም ኣለኹ ይብል።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘውፅኦ መልእኽቲ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቒ፣ ምብታንን ምፅንባርን ብዝምልከት ሃገራዊ ኮሚሽን ዕርቂ ምስ ለገስቲ ዘዳልዎ ኣኼባ ስዒቡ ምስ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብምርኻብ ኣብ ምትግባር ውዕል ፕሪቶሪያ ተወሳኺ ምምሕያሽ ብዛዕባ ምግባር ምዝርራቡ ገሊጹ።

ኣመሪካ ንኹሎም ኢትዮጵያዊያን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት ንምድጋፍ ብፅኑዕ ከምትሰርሕ ድማ እቲ መልእኽቲ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG