ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ናይ ሎሚ ቃለ-ምልልስ ምስ ቪኦኤ ጉዳይ ምስ ገለ ሙስሊማት ዝተራኣየ ምስሕሓብን መንግስቲ ዝሓዘሉ ኣገባብ ህዝባዊ ርክባትን፣ጉዳይ ምስሕሓብ ዶብ ምስ ኤርትራን ኣፈታትሕኡን፣ከምኡውን ሕቶ ግድብ ኣባይን ካብ ፖለቲካዊያን ግብፂ ዝቃላሕ መፈርሕን መዘራረቢ ኮይኖም‘ለው።
መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ዓለም-ለኸ ሚድያ ንኩነታት ምስ ’ኣናዳዪ ሓቂ’ ኢሉ ንርእሱ ዝገልፅ ኣካል ዘጓነፎ ፀገም ኣብ ምብራህ እኹል ስራሕ ፈፂሙ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን ኢሎም ኣቶ ጌታቸው ረዳ።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮዽያን ኤርትራን ንዝተፈጥረ ምስሕሓብን ትግባረ ብይን ኮምሽን ዶብን፣እንኮ መንገዲ ፍታሕ ልዝብ(ዲያሎግ) ምኻኑ ዝጠቀሱ እቶም ባዓል ስልጣን፣ክሳብ ኣብ ኤርትራ ብልዝብ ዝኣምን መንግስቲ ዝቀውም እቲ ደውታ መውፅኢ የብሉን ኢሎም።
ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ፡ ክልቲአን ሃገራት፡ኣብ "ናይ መወዳእታን ቀያድን" ሰነድ ከምዝተፈራረማ ይፍለጥ`ዩ።