ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ዳይረክተር ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ም/ወፃኢ ኢትዮዽያ ዝተካየደ ቃለ-ምልልስ


ጌታቸው ረዳ
ጌታቸው ረዳ
ኣብ ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዳይረክተር ህዝባዊ ዲፕሎማስን ርክብታን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ካብ ሰማዕትና ንዝተቀበልናዮም ብርክት ዝበሉ ሕቶታት መልሲ ሂቦም‘ለው።ቀዳማይ ክፋል ንሎሚ ክነቅርብ ኢና።

ውሽጣዊ ጥንካረ መንግስቲ ኢህወዴግ ድሕሪ ሕልፈት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣመልኪቱ ንዝቀረበሎም ሕቶ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ክምልሱ ከለው ”ብኣመራርሓ ኣቶ መለስ ብዙሓት ናይ ፖሊሲ ሰነዳት ተዳልዮም፣ኣመራርሓን ታሕተዎት ኣባላት‘ቲ ፓርቲን ተዘትዮሎም‘ዩ።ኣብ ውሽጣዊ ሓድነትን ጥንካረን ኢህወዴግ ተጠራጠርቲ ናይ ባዕሎም ሪኢቶ ክገልፁ ይኽእሉ‘ዮም። ገዛኢ ፓርቲ ግና ብዲስፒሊን ዝተሃንፀ ፓርቲ‘ዩ።ስለዚ ጥርጣረ ክህሉ ኣይግባእን” ኢሎም።

ስለምንታይ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ንከይትምለስ ኢትዮዽያ ትቃወም‘ላ? ንዝብል ሕቶ ድማ ”ንምንታይ ዕላማ‘ዩ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ንክትምለስ ዝድለ ዘሎ? ኣባል ኢጋድ ንዝኾነ መንግስቲ ሶማልያ‘ኳ ኣፍልጦ ዘይሃበ መንግስቲ‘ዩ መንግስቲ ኤርትራ።ንኢትዮዽያን ንሶማልያን ሎሚ‘ውን ይህውኽ ዘሎ መንግስቲ‘ዩ።ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ክምለስ እንተኾይኑ፣ነዚ ተግባር‘ዚ ከቋርፅን ኣብ ጎኒ ሰላም ክስለፍን‘ዩ” ዘለዎ ኢሎም።

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:13:33 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG