ዋሽንግተን —
ካብ ስሳታትን ሰብዓታትን ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ኣምሓርኛ ዝነጠፈ ጌታቸው ካሳ፣ ኣብ ሕክምና ይረኽበሉ ዝነበረ ሆስፒታል ለካቲት 12፣ ኣብ መበል 80 ዓመቱ ከምዝዓረፈ’ውን ምንጭታት ይገልጹ።
ጌታቸው ካሳ ‘ትዝ ባለኝ ጊዜ፣ ውበትም ይረግፋል፣ አዲስ ኣበባ፣ ኣትጥፊ ከጎኔ፣ እወድሻለሁ’ ዝብሉን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ዜማታትን በቲ ጥዑም ድምጹ ዝደረፈ ድምጻዊ ኮይኑ፣ ፍሉይ ቅዲ አደራርፋ ዝነበሮ ከምዝኾነ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መርካቶ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ ዝዓበየ ጌታቸው ካሳ፣ ኣብ ኣመሪካ ን28 ዓመታት ናብራ ስደት ዝመርሐ፣ ቅድሚ ኣስታት 10 ዓመታት ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመለሰን ዝፈልጡዎ ይዛረቡ። ጌታቸው ካሳ ኣቦ ሓንቲ ቆልዓ ከምዝኾነ’ውን ይፍለጥ።
ቅጥዒ