ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ብድሕሪ ጨወያ ኣብ ምእራይ ወርቂ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን መንግስቲ ኤርትራ ኣሎ' ትብል ኢትዮጵያ


ኣቶ ጌታቸው ረዳ
ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ኣብ ዝተወለዐ ህውከት ካብ ሞንጎ ዝተሳተፉ ገሊኦም ካብ ኣስመራ ዝመፁ ንምዃኖም ዝሕብር መርተዖ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ወርቂ ይለቅሙ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ገሊኦም ብደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኤርትራ ከምዝተጨወዩ’ውን ሚንስትር ኮሚኒከሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ገሊፆም።

‘ኩሎም ዓይነት ሸፋቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋፈሩ’ዮም። ሓሓሊፉ ብድምሒትን ካልኦት ጉጅለታትን’ዩ ዝፍፅሞ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ግብሪ ምፍፃሙ ዘገርም ኣይኮነን፣ ነቲ ኩነታት ብቀረባ ንከታተሎ ኣለና። ስጉምታት እናወሰድና መፂና ኣለና። ሎሚ’ውን ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና’ ኢሎም ንሶም።

ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን ኣብ ምዕራብ ሽዋን ገለ ክፋላት ወለጋን ንማስተር ፕላን ኣዲሳበባ ንምቅዋም ዝተፀውዑ ሰልፊታት፣ ሕጋዊን ግቡኡን ሕቶታት ዘበገሱ’ዮም፣ ኣብ ኣሩሲ ዝተላዕለ ህውከት ግና ንነባራይ ሰላምን ምርግጋእን ንምዝራግ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ ኢሎም።

‘መንግስቲ ኤርትራ ምስ’ቶም ኣብ ኤርትራ ተሓፂሮም ተሪፎም ዘለው መሪሕነት ኦነግ ጥራሕ ዘይኮነ ምስ 7 ግንቦትን መሰልቱን ተሓባቢሩ ይሰርሕ’ዩ’ውን’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG