ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻንስለር ኣንጌላ መርከል ድሕሪ 16 ዓመት ካብ ስልጣነን ይወርዳ ኣለዋ


ድሕሪ ሰንበት ክካየድ ዝተመደበ ምርጫ ጀርመን ንቻንስለር ኣንጌላ መርኬል ንምስንባት ኣብ ምድላው ትርከብ።ንናይ ኣውሮጳ ዝዓበየ ቁጠባ ን16 ዓመታት ዝመርሓ መርኬል ኣብ ናይ ኣውሮጳን ናይ ዓለምን መድረኻት ዓብይ ተራ ተፃዊተን እየ።

መርኬል ናይ መጀመሪያ ጓል ኣንስተይቲ ቻንስለርን ኣብ ምብራቕ ጀርመን ዝዓበያ ፈላመይቲ መራሒትን እየን። ፖለትካዊ ተሳትፉአን ኣብ ኣውሮጳ ናይ ሓፂን ሓፁር ምስ ፈረሰ እዩ ጀሚሩ።ድሕሪ ናይ 1990 ናይ ጀርመን ውህደት መኻሪአን ብዝነበሩ ቻንስለር ነበር ሀልሙት ኮል ሚንስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ኮይነን ተሸይመን። ኣብ 2000 መራሒት ሰልፊ ክርስቲያን ዴሞክራትስ ኮይነን።ኣብ 2005 ብፀቢብ ስዒረን ናይ ክሪስቲያን ዴሞክራትስን ሶሻል ዴሞክራትስን ጥምረት መንግስቲ መስሪተን።

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ስልጣንን ናይ 2008 ዓለምለኸ ፋይናንሳዊ ውድቀት ፈላማይ ከቢድ ቅልውላው ገጢሙወን ።ናይ ጀርመን ባንክታት ነቀይ ነቀይ ይብላ ኣብዝነበራሉ እዋን መርከል ብፅንዓት ደው ኢለን።ኣብ ጥቅምቲ 2008 ኣብ ጎኒ ናይ ፋይናንስ ሚንስትረን ኮይነን መንግስቲ ከምዝከላኸሎም መረጋገፂ ሂበን።

ሽዑ ናይ ኣውሮጳ ባጤራ ዩሮ ካብ ውድቀት ክድሕን ዓብይ ተራ ከምዝነበረን ይንገር። መርኬል ኣብ 2002 "ዩሮ እነተወዲቑ ኣውሮጳ ይወድቕ’’ኢለን ።’'ዩሮ እንተተዓዊቱ ኣውሮጳ ይዕወት።ዩሮ ክዕወት ዝኽእል ድማ ንሽሙ ዝምጥን ስሙር ሕብረት እንተድኣ ፈጢርና እዩ’’ኢለን።

‘’መርኬል ከም ናይ ቅልውላው ቻንስለር እየን ዝፍለጣ’’ ይብል ኒኮ ፍሬደል ኣብ ጀርመን ሪፖርተር ጋዜጣ ሱደች ዜይቱንግ። ‘’ኣብ እዋን ስልጣነን ብዙሓት ዓለምለኸ ቅልውላዋት ፈቲሐን ኣብ ጀርመን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳን ምስ መሻርኽቲ ስግረ ኣትላንቲክ ከምኡ እውን ቻይናን ሩሲያን’’ ኢሉ።

‘’ናይ ኣንጌላ መርኬል ቅዲ ምስ ቻይናን ሩሲያን ከይተረፈ ምዝርራብ፣ምዝርራብ፣ ምዝርራብን ምዝርራብን እዩ’’ ትብል ‘’እታ ቻንስለር’’ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ መርኬል ህይወት ታሪክ ዝፅሓፈት ኡርሱላ ወይደንፌድ።

መርኬል ዓብይ ብድሆ ዘጋጠመን ኣብ 2015 ኣዝነበረ ናይ ስደተኛታት ቅልውላው እዩ።ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ይውሕዙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ንዶብ ክዓፅዋ ዝቐረበለን ሕቶ ነፂገንኦ።መብዛትሕኦም ካብ ኵናት ሶሪያ ዝሃደሙ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ስደተኛታት ናብ ጀርመን ኣትዮም።ካብ ናይ ባዕለን ፓርቲ ከይተረፈ ሓያል ተቓውሞ ገጢሙወን።ሕጂ እውን ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ብመርገፂአን ከምዘይጣዓሳ ይገልፃ።

መርኬል ኣብ ሃምቡርግ ምዕራብ ጀርመን ተወሊደን ወላዲ ኣቡአን ኣብቲ እዋን ምብራቕ ጀርመን ተባሂሉ ናብ ዝፍለጥ ተምፕሊን ናብ ዝተብሃለ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ብቅስና ከግልግሉ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዕድሚአን ናብ ምብራቕ ጀርመን ተዛዊሮም።ሕጂ እውን ናብታ ዝዓበያላ ከተማ ብዙሕ ግዜ ይመላለሳ መርኬል።

ካብ ስልጣነን ምስ ወረዳ እንታይ ከምዝሰርሓ ባዕለን ሓዊሱ ዝፈልጥ ሰብ የለን።

ኣብ ነሓሰ ኣብ ዝተኣከበ መዕቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ልዕሊ ሓሙሽተ ፍሉጣን መራሕቲ ኣውሮጳን ኣሜሪካ ተቐባልነተን ዝለዓለ እዩ።

ብቕድሚ ትማሊ ዝወፀ ዳህሳስ ማእኸል ምርምር ፒው እውን መርኬል ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ኣውሮጳን ዞባ ኢሲያ-ፓሲፊክ ካብ ዝርከቡ ብቑጠባ ናይ ዝማዕበላ 16 ሃገራት መራሕቲ ዝለዓለ ተቐባልነት ኣለው።ካብ 18,000 ተሓተቲ 77 ሚእታዊት ኣብ ልዕሊ መርከል እምነት ኣለዎም።

ሕጂ ግን እዋን ኣኺሉ።ንጀርመን፣ንኣውሮጳ ንናይ ምዕራብ ዓለምን ናይ መርኬል ምፍላይ ናይ ፖለቲካ ዘመነን መወዳእታ እዩ።

XS
SM
MD
LG