ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀርመን’ውን ንሩዋንዳ እትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ኣቋሪጻ


ፋይል - ፖሊስ ንኣባል ሓይልታት ምንቅስቃስ ናጽነት ሩዋንዳ እንዳፈተሾ
ፋይል - ፖሊስ ንኣባል ሓይልታት ምንቅስቃስ ናጽነት ሩዋንዳ እንዳፈተሾ

ጀርመን ንሩዋንዳ እትህዝቦ ዝነበረት ሓገዝ ብሰንኪ እታ ሃገር ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ፈጺማቶ እትብሎ ምትእትታው ደው ከም ዘበለቶ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጣ። ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ፡ ጀርመን እንኮላይ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ተመባጺዓቶ ዝነበረት ሓገዝ’ያ ኣቋሪጻቶ። መንግስቲ ጀርመን ኣብ 2022 ናይ ኣስታት 98 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንሩዋንዳ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ንምቍራጽ እቲ ሓገዝ ኣመልኪቱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩዋንዳ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ ምላሽ፡ “ከም በዓል ጀርመን ዝኣመሰላ ብጸሊም ታሪኽ ዝሓለፋ ሃገራት ከምዚ ዝመስል ጸግዒ ሓደ ዝሓዘ ስጉምቲ ምውሳደን ዘሕዝን’ዩ፡” ኢሉ።

ኣቐድም ኣቢላ ብሪጣንያ’ውን ንሩዋንዳ እትህቦ ሓገዝ ደው ከም ዘበለት ዝዝከር’ዩ። ሩዋንዳን ብሪጣንያን ንጉዳይ ምቕባል ስደተኛታት ኣመልኪተን ዝግበርኦ ስምምዕ፡ ኬር ስታርመር ኣብ ወርሒ ሓምለ መዝነት ምስ ሓዘ ሰሪዙዎ’ዩ። በቲ ክልተኣዊ ውዕል 304 ሚልዮን ዶላር ኣቐዲሙ ንሩዋንዳ ተኸፊሉ ነይሩ። ድሕሪ ምቍራጽ እቲ ውዕል ሩዋንዳ ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ኣስታት 50 ሚልዮን ዶላር’ውን ክስዕበላ ሓቲታ እኳ እንተ ነበረት ብሪጣንያ ግን ንዕኡን ነቲ ካልእ ሓገዛት ምስ ኲናት ምብራቓዊ ኮንጎ ደው ከተብሎ ወሲና።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG