ዋሽንግተን —
ጂዲኤል (GDL) ብዝብል ኣሕጽሮ ቃል ዝጽዋዕ ማሕበር ዘወርቲ ባቡር ጀርመን፡ ንዝያዳ ክፍሊትን ዝተመሓየሸ ሰዓታት ስራሕን ዝጠልብ ኣድማ የካይድ ኣሎ። እዚ ማሕበር ሕቶኡ ናብቲ ብመንግስቲ ዝውነን መስመር ባቡር ምዃኑ’ዩ።
ብመሰረት ኣወሃሃድቲ እቲ ኣድማ፡ ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ባቡር ካብ ሎሚ ረቡዕ ወጋሕታ ጀሚሮም ክሳብ ዝመጽእ ሰሉስ ስራሕ ደው ከብሉ’ዮም።
ብዘይካ እቲ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ባቡር፡ ናይ ጽዕነት ባቡራት’ውን ካብ ትማሊ ሰሉስ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣቆጻጽራ ሰዓት ፍራንክፈርት ጀሚረን ስራሕ ደው ኣቢለን ኣለዋ።
እቲ ማሕበር ንሰዓታት ስራሕ ኣብ ሰሙን ካብ 38 ናብ 35 ከጕድሎ ይሓትት። ኣቐዲሙ ተመሳሳሊ ናይ ዘወርቲ ባቡር ማሕበር፡ ብተመሳሳሊ ሕቶ ኣድማ ገይሩ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ እዋኑ መንግስታዊ ኣካል ምድሪ ባቡር ጀርመን ነቲ ሕቶ ነጺጉዎ’ዩ።
ቅጥዒ