ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀርመን ድሕሪ ወርሒ መጋቢት’ውን ንሓለዋ ዶባት ከምተሓይል ትገልጽ


ፖሊስ ጀርመን ኣብ ሓለዋ ዶብ ምስ ፈረንሳ - ፋይል
ፖሊስ ጀርመን ኣብ ሓለዋ ዶብ ምስ ፈረንሳ - ፋይል

ጀርመን ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዕዳጋ በዓል ልደት ዘጋጠመ መጥቃዕቲን ቅድሚ’ቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝካየድ ምርጫን ሓለዋ ዶባት ድሕሪ ወርሒ መጋቢት’ውን ሓይሉ ከምዝቕጽል ትገልጽ።

ጀርመን ኣብ ወርሒ መስከረም ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእን ንጸጥታን ድሕነትን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ሓያል ሓለዋ ዶብ ምስ ትሽዓተ መዋሰንቲ ሃገራት ምእዋጃ ይዝከር። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኣስታት 1,800 ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ኣስታት 40,000 ድማ ናብ ዝመጽሉ ቦታ ምምላሶምን ሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ጀርመን ናንሲ ፍይሰር ንሓንቲ ጋዜጣ ጀርመን ኣብ ዝሃብኦ ቃል ምሕባረን ኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊጹ።

ኣብቲ ለካቲት 23 ዝካየድ ምርጫ ጉዳይ ስደተኛታትን ጸጥታን ገለ ካብቲ ቀንዲ ዛዕባ’ቲ ምርጫ ምዃኖም ይፍለጥ።

ኣቐዲሙ ንዓመታት ዝቐጸለ ሓለዋ ዶባት ምስ ኦስትርያ፡ ፖላንድ፡ ቸክ ሪፖብሊክን ደንማርክን ዝጸንሓ ጀርመን ካብ 16 መስከረም ጀሚራ ምስ ፈረንሳ፡ ለክዘንበር፡ በልጀም፡ ኔዘርላንድስን ደንማርክን ዘለዋ ዶባት ዘሎ ሓለዋ ኣሓይላ ምቕጻላ ተፈሊጡ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG