ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀርመን ቤት ፅሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ቦልቲክ መሪቓ


ሚኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስቶሪየስ
ሚኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስቶሪየስ

ውጥረት ጀርመንን ሩስያን እናወሰኽ ኣብ ዝኸደሉ ጀርመን ቤት ፅሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ቦልቲክ ኣመሪቓ።

ጀርመን ኣብ እዋን ግጭት ኔቶ መሪሕ ስርሒታት ኮይኑ ንዝተፈላለያ ሃገራት ዘገልግል ሓድሽ ዋና ቤት ፅሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ቦልቲክ (Baltic Sea) ሎሚ ሶኑይ ኣመሪቓ። ኣብቲ ከባቢ ምስ ሩሲያ ወጥሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣብ ዘለሉ እቲ ወታሃደራዊ ምትሕብባር እውን እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ሚኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስቶሪየስ ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ንመሻርኽትናን ነቶም ስግኣት ሰላምናን ዝኾኑን መልእኽትና ንፁር እዩ። ጀርመን ንቓል ኪዳና ብትሪ ኣፅኒዓ እያ እትሕሉ’’ ኢሉ። እቲ ዋና ቤት ፅሕፈት ኣብ ወሰን ባሕሪ እትርከብ ከተማ ሮስቶክ ኣብ ዝርከብ እዚ ሓይሊ ባሕሪ ናይታ ሃገር ይርከብ።

ንሱ ብተወሳኺ "እቲ ዋና ቤት ፅሕፈት ፀብፃባት ወታሃደራዊ ኩነታት ኣብ ምድላውን ኣንፃር ረብሓታት ኣባል ሃገራት ኔቶ ምሕላው ሓዊሱ ዞባዊ ብድሆታት ከጋጥም ከሎ ግብረ መልሲ ንምሃብን ወሳኒ ተራ ክፃወት እዩ’’ ኢሉ።

እቲ ሓድሽ ቤት ፅሕፈት ኣስታት 120 ጀርመናዊያን ኣብ እዋን ሰላም ዝሰርሑ ዓለምለኸ ሰራሕተኛታትን ዝሓዘ እዩ።

ዴንማርክ፣ ኢስቶኒያ፣ ፊንላንድ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ላቲቪያ፣ ሊቷኒያ፣ ኔዘርላንድስ፣ ፖላንድ ስዊድንን 11 ሃገራት ሰራሕተኛታት ኣዋሪፈን ኣለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG