ዋሽንግተን —
ኣብ 13 መዓርፎ ነፈርቲ ጀርመን ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣድማ ንመብዛሕትኡ በረራታት ደው ኣቢሉ።
ፍራንክፈርትን ሙኒክን ዝርከብኦ ኩለን ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝሓወሰ ኣድማ ምስራዝ ዝበዝሕ በረራታት ኣስዒቡ ኣሎ። እቲ ን24 ስዓትት ዝጸንሐ ኣድማ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ እዩ ጀሚሩ።
ማሕበር መዕረፎ ነፈርቲ ጀርመን ልዕሊ 3,500 ዝግመቱ በረራታት ከም ዝተስረዙን ኣስታት 560,000 ተጎዓዝቲ በቲ ኣድማ ምጽላዎምን ገሊፁ ኣሎ።
ቅጥዒ