ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀርመንን ፕረዚዳንታዊ ምርጫ ኣሜሪካን


ጀርመናዊያን ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ፕረዚዳንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ንጀርመን ይኹን ንሃገራት ኣውሮጳ ኣገዳሲ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ብምእማን ውፅኢቱ ይፅበዩዎ ኣለው።

ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ጀርመን ዝተፈለየ ትርጉም ኣለዎ ዝብል ስምዒት ብዙሓት ኣለዎም።

ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝዓበየ ቁጠባ እትውንን ጀርመን ን36,000 ወታደራት ዩናይትድ ስቴትስ ተተናግድ ኣብ ዓመት ድማ ምስ ዩናይትድ ስቴትስ 200 ቢሊዮን ዶላር ናይ ንግዲ ርክብ ኣለዋ።ኣብ ኣውሮፓ ምስ ዩናይትድ ስቴትስ ዝዓበየ ናይ ንግዲ ርክብ ዘለዋ እንኮ ሃገር እያ።

ፕሬዝዳንት ትራምፕ ንምክልኻል ቃል ኪዳን ኔቶ ዝውዕል ገንዘብ ጀርመን ግቡኣ ኣይትኸፍልን ኢሎም ምኽሳስ ምስጀመሩ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ጥቡቕ ታሪኻዊ ርክብ ዝሒሉ።ገለ ሃንደስቲ ፖሊስታት ጀርመን ብዛዕባ መፃኢ ርክብ ስግረ ኣትላንቲክ ስኽፍታ ኣለዎም።

ኣብ ጀርመን ማርሻል ፈንድ ዝሰርሕ ቶማስ ክሌይን ብሮኮፍ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት እቲ መንገዲ ሓጎፅጎፅ ዝነበሮ እዩ ይብል።

ትራምፕ በዝሒ ኣብ ጀርመን ዝሰፈሩ ወታደራት ዩናይትድ ስቴትስ ንምንካይ ኣብዚ ዓመት ምውሳኖም ኣሜሪካ ምስ ኔቶ ዝህልዋ ምትሕብባር እውን ጥርጣረ ዘሕደረሎም ብዙሓት እዮም።ብሮኮፍ‘’ኣሜሪካ ይኣኽለኒ ኢላ እንተገዲፋቶን ኔቶ እንተድኣ ቅሂሙን ኣውሮፓ ናብ ሓደ ክትሓብር እያ ዝብል ከይኮነስ ብኣንፃሩ ናይ ኣውሮፓዊያንምፍሕፋሕ እዩ ዝርኣየኒ። ኣዚዩ ፍሕፍሕ ዝበዝሖን ኣዚዩ ግጭት ዝበዝሖን ክፍለ ዓለም ኣውሮፓ ኢና ክንሪኢ’’ ይብሉ።

እዚ ተስፋ ዝቖረፀ ሪኢቶ ግን ናይ ኩሉ ኣይኮነን።AlternativeforGermany ዝተብሃለ ርሑቕ የማናይ ፓርቲምምሕዳር ትራም ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ምንካይ ወታደራት ካብ ጀርመን ብሓጎስ እዩ ተቐቢሉዎ። ካልኦት እውን ዝቕፅል ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ መን ይኹን ብዘየገድስ ሓድሽ ዕድል ይርኣዮም።

ኣብ ቤት ምኽሪ ርክባት ወፃኢ ጀርመን እትሰርሕ ሶፊያ ቤከር ‘’ዩናይትድ ስቴትስ ንባዕላ ዝረብሑዋ ቀዳምነት ክትህብ ዝገበረ ናይ ትራምፕ ፕሬዝዳንትነት እዩ ዝብል እምነት የብለይን’’ትብል።ኣውሮፓዊያን ስለዝዓበዩን ካብ ፅግዕተኝነት ዩናይትድ ስቴትስ ንባዕሎም ሓራ ስለዘውፅኡን እዩ በለት ወሲኻ።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝህሊ ውፅኢት ብዘየገድስ ብዙሓት ኣብ በርሊን ዝሓሸ ወይ ዝገደደ ል ውጢ ይመፅእ ከምዘሎ ኣማዕዲዮም ይሪኡ ኣለው።

XS
SM
MD
LG