ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀርመን ንጉዳይ ስደተኛታት ዝመክር ጉባኤ ክተካይድ እያ


ጀርመን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝመክር ጉባኤ ፅባሕ ዓርቢ ክተካይድ እያ።ኣብ ጀርመን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ቁፅሪ ሓተቲ ዕቑባ ብዕፅፊ ወሲኹሎ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና 2015 ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ብሜድትራኒያን ኣቢሎም ካብ ኣፍሪካ ናብ ኣውሮፓ ምእታዎም ይእመን።ንዝሓሸ ማሕበረ ቁጠባዊ ሓገዝን ስራሕን ናብ ሰሜን ገፆም ይጉዓዙ።

ካብ ቬሮና ናብ ሙኒክ ኣብ እትጉዓዝ ዝቐልጠፈት ባቡር/ express train/ ኣብ ኢዶም ዋላ ሓደ ነገር ዘይሓዙ መብዛሕቲኦም ሱማሊያዊያንን ኤርትራዊያንን ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ገፆም ምድንጋር ይንበብ።ገሊኦም ኣብ ክፉት ወንበር ኮፍ ኢሎም ካልኦት ድማ ኣብ መሕለፊታት /ኮሪደራት/ ይፅበዩ።

መኮነናት ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ጀርመን ሮሰንሄም ኣብ ዝበፅሐት ባቡር ናብ ውሽጢ ኣትዮም ፓስፖርት ይሓቱ።ንነፍስ ወከፍ ስደተኛታት ካብታ ባቡር ኣውሪዶምዎም።ድሕሪ ፍርቂ ስዓት ልዕሊ 70 ስደተኛታት ኣሰሊፎምዎም፤ተሳፈርቲ እውን ብሞሻኽቲ ይሪእዩዎም።

ናይ ዱብሊን ሕግታት ተባሂሉ ብመሰረት ዝፅዋዕ ናይ ኣውሮፓ ሕጊ ስደተኛታት መጀመሪያ ኣብ ዝኣተውላ ሃገር ዕቑባ ክሓቱ ኣለዎም።በዚ ምኽንያት እቶም ስደተኛታት መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ጀርመን ወይ ሃብታም ሃገራት ሰሜን ኣውሮፓ ክሳብ ዝበፅሑ መንነቶም ኣይዛረቡን፤ናይ ኢድ ዓሻራ እውን ኣይህቡን እዮም።

ኣብ ደቡብ ኣውሮፓ ክፀንሑ ዝደልዩ ስደተኛትታ ዳርጋ የለውን ትብል ኣብ ሙኒክ ንስደተኛታት ኣብ ዘማኽር ትካል ትሰርሕ ረበካ ኪሊያን-ማሶን

ኣብ ዝሓለፈ 2014 / ኣብ ሙኒክ 173 ሽሕ ስደተኛታት ዕቑባ ሓቲቶም።እቲ ቁፅሪ ኣብ 2015 ብኽልተ ዕፅፊ ወሲኹሎ።

ሓደ ካብ መንጉኦም ካብ ሲየራሊዮን ዝመፀ ጄምስ እዩ።ሙኒክ ኣብዝርከብ ናይ ስደተኛ ማእኸል ይነብር።መጀመሪያ ዝኣተወላ ሃገር ግን ብሰሜን ኣፍሪካ ኣቢሉ ስፔይን እያ።ሰበስልጣን ጀርመን ንዘቕረቦ ሕቶ ዕቑባ ኣወንታዊ መልሲ ክህቡዎ ተስፋ ይገብር።

‘’ናብ ስፔይን ክመልሱኒ ከምዝኽእሉ ክሰምዕ ከለኹ ሓድ ሓድ ግዜ ይጎድአኒ’’ ምስ በለ ብምስዓብ ‘’ብዛዕብኡ ክሓስብ እውን ኣይደን እየ።ክዛረበካ ዝኽእል ግን ዋላ እውን ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቐ ኣብዚ ኣብ ጀርመን ምእታወይ ዋጋ ይህቦ እየ’’ይብል።

ቁፅሪ ሓተቲ ዕቑባ እናዓበየ ምኻዱ ግን እቲ ጉዳይ ንሰበስልጣን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።ካብዚኦም ኣዚዮም ውሑዳት እዮም መጀመሪያ ናብ ዝኣተውለን ሃገራት ዝምለሱ ትብል Munich Refugee Law Clinic ኣብ ዝተብሃለ ንስደተኛታት ነፃ ምኽሪ እትህብ ትካል እትሰርሕ ፍራንዚስካ ፋስቢንደር።

ብዙሓት ሓተቲ ዕቑባ ዝሃድሙ ዘለው ካብ ኵናት ከይኮነስ ናይ ኢኮኖሚ ስደተኛታት እዮም ብዝብል ዘቕርቡዎ ሕቶ ዕቑባ ይንፀግ።ፋስቢንደር ግን ምፍላዩ ኣፀጋሚ እዩ ኢላ ክትብል ትከራኸር።

ንሳ ዝኾነ ይኹን ምግቢ ክረክብ እንተድኣ ዘይክኢለ፤ቁጠባዊ ምኽንያት እዩዶ ይብሃል ኢላ ትሓትት?

ከም ጀርመን ዝኣመሰላ ሃብታም ሃገራት ኣውሮፓ ብናይ ሓገዝ ፕሮግራመንን ማሕበራዊ ክንክንን ኣዚየን ፍሉጣት እየን።ብሰንኪ ኵናትን ድኽነትን ይውሕዙ ዘለው ስደተኛታት እናዓበየ ምኽድ ግን ንድልየት ኣብ ዙሪያ እታ ክፍለ-ኣህጉር ዝርከቡ መንግስታትን ህዝብን እናተፈታተነ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG