ዋሽንግተን —
ፕረዚደነት ጀርመን ፍራንክ-ዋልተር ስቴንመየር ሎሚ ዓርቢ ፓርላማ እታ ሃገር ከምዝተበተነን ምርጫ ድማ ን23 ለካቲት 2025 ከምዝካየድን ኣፍሊጦም።
እቶም ፕረዚደንት ኣብ መግለጺኦም “እቲ እንኮ ንጀርመን ካብቲ ዘላቶ ዓዘቕቲ ከድሕና ዝኽእል፣ ነቲ ብኦላፍ ሾልዝ ዝምራሕ ፓርላማ በቲንካ ንኻልእ ምዕራፍ ምምዕዳው ጥራይ’ዩ” ኢሎም።
ቻንስለር ሾልዝ ብ16 ታሕሳስ ናይ ድጋፍ ድምጺ ድሕሪ ምስኣኖም፣ ቅድም ንሶም ዝመርሕዎ ጥምረት ሰለስተ ሰልፍታት ብ6 ሕዳር ድሕሪ ምብታኖም፣ እታ ብቑጠባ ዝሓየለት ኤውሮጳዊት ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ትርከብ።
ፕረዚደንት ስቴንመየር ናብዚ ውሳ’ዚ ዝበጽሑ ምስ ኵላቶም ወገናት ተዘራሪቦም ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክበጽሑ ከም ዘይክእሉ ድሕሪ ምርኣይ ከምዝኾነ ሓቢሮም ኣለው።
ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ጀርመን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ፓርላማ እታ ሃገር ባዕሉ ክብተን ስለ ዘይክእል እቲ ስልጣን ናብ ፕረዚደንት’ዩ ዝሓልፍ። ድሕሪ ምብታን ፓርላማ ድማ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ምርጫ ክግበር ይጠልብ።
ቅጥዒ