ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ጀርመን ንጥርጡራት ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ይአስሩ


Greece Migrants
Greece Migrants

ናይ ጀርመን ፌደራል ፖሊስ ስደተኛታት ብነፈርቲ ናብ ጀርመን ብምእታው ብጀልባ ናብ ብሪጣኒያ የግዕዙ ነይሮም ኢሉ ንዝጠርጠሮም ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ኣሲሩ።

ኣብ ሰለስተ ክፍለ ግዝኣታት ጀርመን ልዕሊ 600 መኮነናት ፖሊስ ተዋፊሮም ኣብ 24 መንበሪ ገዛውቲ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ብምፍጻም ን17 ጥርጡራት ዘይሕጋዊ አስገርቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒሎም ኣለው።

ሚንስትር ውሽጢ ሃገር ፈረንሳይ በርናርድ ካዘንዮቭ ብወገኖም መንግስቶም ንኣስታት 200 ናይ ንግዲ መርበባት ብምብታን ልዕሊ 3,000 ጥርጡራት ዘይሕጋዊያን ነጋዶ ደቂ ሰባት ምእሳሩ ኣፍሊጦም።

ብኻልእ ዜና ኣብ ወሰን ማይ ሳይፕረስ ትጠልቕ ካብ ዝነበረት ጀልባ ሄልኮፕተራት ን26 ስደተኛታት ትማሊ ምሸት ከምዘድሓኑ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG