ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀርመን መንነት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንምርግጋጽ ሓድሽ ናይ ቴክኖሎጂ መስርሕ ከተታኣታትው እያ


ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ቶማስ ደ ማይዘር
ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ቶማስ ደ ማይዘር

ጀርመን መንነት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንምርግጋጽ ሓድሽ ናይ ቴክኖሎጂ መስርሕ ከተታኣታትው ምኳና ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ቶማስ ደ ማይዘር ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጦም።

ንሶም ነዚ ዝገለጹ ኣብ ናይ ስደተኛታት ማእከል ዘካየድዎ ዝነበረ ምብጻሕ ኮይኑ እዚ ሓድሽ መስርሕ “ነቶም ከጋግዩና ዝደልዩ ንምልላይ” ኣድላይ ብምኳኑ’ዩ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ሓድሽ መስርሕ ንስደተኛታት ኮነ ሓተቲ ዑቕባ ብዙሕ ሕቶ ዝሓትት ኣይኮነን፡ ካብኦም ዝድለይ ሓቀኛ ስምምን መቦቆል ዓዲን ጥራይ እዩ ኢሎም።

ብድሕሪኡ እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ብመሰረት ቋንቋ፡ላህጃን ዝቐረበ ፎቶን ትክክለኛ መቦቆል ሓታቲ ዑቕባ ወይ ስደተኛ የለልይ ክብሉ’ውን ነቲ መስርሕ ኣረዲኦም።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ብተወሳኺ “ነታ ሃገር ስግኣት ዝኾኑን ገበነኛታት” ካብታ ሃገር ከምዝጥረዙ እዚ ድማ ብምጥራስ 20 ኣፍጋኒስታናዊያን ናብ ካቡል ከምተጀመረ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG