ዝሓለፈ ወርሒ ብዕጡቃት ዓፋር ዝተጨወዩ ክልተ ጀርመናዊያን ከምዝተለቀቁ መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣፍሊጡ።
ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣እቶም ”ብኤርትራ ዝተወደቡ ፈጠርቲ ራዕዲ” ዝበሎም ተጨውዮም ዝቀነዩ ጀርመናዊያን ናፃ ወፂኦም ኣለው ይብል።
ኣርዱፍ ነቶም ኣርባዕተ ሰባት ባዕለይ‘የ ጨውየዮም፣ኢድ መንግስቲ ኤርትራ የብሉን ከምዝበለ‘ውን ዝዝከር‘ዩ።መንግስቲ ኤርትራ‘ውን ኣብ‘ቲ ስርሒት ኢድ ከምዘይብሉ ደጋጊሙ ገሊፁ‘ዩ።
እንተኾነ ሃለዋት ምስ‘ቶም ጀርመናውያን ዝተጨወዩ ክልተ ኢትዮዽያውያን ገና ኣይተፈልጠን ይብል መግለፂ ኢትዮዽያ።
ንምልቃቅ‘ቶም ኢትዮዽያውያን ቀፃላይ ስራሕ ከምትዓዪይ‘ውን ገሊፃ ኢትዮጵያ። እቶም ጀርመናውያን ንዳርጋ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣበይ ተታሒዞም ከምዝጸንሑ ዝገለጸ ወገን የለን። መንግስቲ ጀርመን`ውን ገና መግለጺ ኣይሃበን።
ክልተ ኢትዮጵያዊያን ግና ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን
ተወሳኺ
-
02/06/2023
ግብሪን ክልስ-ሓሳብን ብሓደ
-
02/06/2023
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኣድልዎ ይኽሰስ