ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርዱፍ ን4 ዝጨወዮም ሰባት ንምልቃቁ መረጋገፂ የብልናን ትብል ኢትዮጵያ


ምንስቴር ወፃኢ ጀርመን'ውን ተመሳሳሊ ሪኢቶ ይህብ

ዝሓለፈ ወርሒ ብዕጡቅ ሓይሊ ዓፋር (ኣርዱፍ) ተጨውዮም ዝተወስዱ ክልተ ጀርመናውያንን ክልተ ኢትዮዽያውያንን ተለቂቆም እንተኾይኖም ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለ ሓደ ባዓል ስልጣን ምንስቴር ኢትዮዽያ ገሊፆም።

ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዳይረክተር ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ ከምዝገለፅዎ፣እቶም ዝተጨውዩ ኣርባዕተ ሰባት ይለቀቁ ኣይለቀቁ ክሳብ ሎሚ ኣየረጋገፅናን ዘለና ኢሎም።

ኢትዮዽያ ናብ ካልእ ስጉምቲ ቅድሚ ምንቃላ፣ሽማግለታት ዓዲ ዝጀመርዎ መስርሕ ምፍታሕ‘ቶም ጭውያት ዕድል ክንህብ ኢና ኢልና ገሊፅና ነይርና ኢና ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው፣እቲ መንግስቲ ጀርመን‘ውን ይነጣጠፈሉ ዘሎ መስርሕ ክሳብ‘ቲ ቃለ-ምልልስ ዝሃቡሉ ሰዓት ኣፍርዩ እንተኾይኑ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ከምዘየለ ጠቂሶም።

ኢትዮዽያ እቶም ዝተጨወዩ ብሰላም ዝምለሱሉ ዕድል ሙሉእ ንሙሉእ ክሳብ ዝፅንቀቅ ብዓቅሊ ነቲ መስርሕ ክትቅፅለሉ ምኻና‘ውን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣እቶም ዝተጨወዩ ሰባት ብመሰረት ባህሊ ዓፋር ከምዝተለቀቁ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታቶም ከምዘረጋገፁ ፕረዚደንት ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ዓፋር ኣቶ ኣሕመድ ጋዓዝ ገሊፆም።

ምንስትር ወፃኢ ጀርመን ግና፣እቶም ይዝረበሎም ዘሎ ዝተጨወዩ ጀርመናዊያን ተለቂቆም እንተኾይኖም መረጋገፂ ክህብ ከምዘይኽእል፣ ብተወሳኺ ስለ ድሕነት‘ቶም ኣብ‘ቲ መስርሕ ይሳተፉ ዘለውን፣ንምፍታሕ እቲ ምስሕሓብን ኢሉ ተወሳኺ ሪኢቶ ካብ ምሃብ ከምዝቁጠብ ምግላፁ ሮይተርስ ዝፈነዎ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG