ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነፋሪት ጀርመን ናብ ጅቡቲ ብኽሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ ፍቓድ ስለዘይነበራ ናብ ስዑዲ ከም ዝተመልሰት ይግለጽ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣናለና ባርቦክ -ፋይል
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣናለና ባርቦክ -ፋይል

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣናለና ባርቦክ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ናብ ጁቡቲ ክትሓልፍ ብክልል ኣየር ኤርትራ ክትበርር ፍቓድ ስለዘይነበራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክትዓልብ ተገዲዳ ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣናለና ባርቦክ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ክትገብር ተበጊሳ ምንባራን ብዛዕባ ግጭት ሱዳን ንምዝርራብ ኣብ ኣጀንድኣ ምንባሩን ወግዓዊ ምንጭታት ይገልጹ`ለዉ። ድሕሪ ናይ ጅቡቲ ናብ ኬንያን ምብጻሕ ድማ ናብ ደቡብ ሱዳንን ክትቅጽል ምዃና `ዩ እቲ ኣጀንዳኣ ይገልጽ።

ብዛዕባ`ቲ ዝተባህለ ፍቓድ ክሊ ኣየር፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሰምዐ ነገር የለን።

ዝሓለፈ ነሓሰ`ውን እታ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ናብ ዞባ ኢንዶ-ፓሲፊክ ዝነበራ ዑደት ተሰሪዙ እታ ዝተዋህበታ ናይ መንግስቲ ነፋሪት መካኒካዊ ጸገማት ስለዘጋጠማ ብዝብል ኔሩ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG