ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ጀርመን ንኤርትራዊ ስደተኛ ንሕልፈት ፈሪዱ


ሓደ ቤት ፍርዲ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኤርትራዊ ንሕልፈት ፈሪዱ።

እቲ ወዲ 27-ዓመት መንእሰይ ኣብ ልዕሊ እተን ደቂ ኣንስትዮ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሓንቲ ካብኣተን ዝኾነት ጓል 14 ዓመት ምሟታ ተሓቢሩ'ሎ።

ወሃቢ ቃል እቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኡሉም ዝርከብ መጋባእያ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከምዝሓበርዎ እቲ ቤት ፍርዲ ወዲ 27- ዓመት ዝኾነ ኤርትራዊ በቲ ኣብ ታሕሳስ 2022 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብቅትለትን ብፈተነ ቅትለትን ዘስካሕክሕ ኣካላዊ መጥቃዕቲን ገበነኛ'ዩ ኢልዎ'ሎ።

ብተወሳኺ እዚ ፍጻመ ዘስካሕክሕ ዓይነት ገበን ከምዝኾነ ብምጥቃስ እዚ 'ዑቅበ ቢ' ተባሂሉ ዝተጸወዓ ወልቀሰብ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝውቱር ዝኾነ ድሕሪ 15- ዓመታት ማእሰርቲ ምሕረት ናይ ምርካብ ዕድሉ ኣዝዩ ዘይመስል ምኳኑ ተገሊጹ'ሎ።

ፈጻሚ'ዚ ገበን ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ጀርመን ክነብር ዝጸንሓ ምኳኑን እታ ጓል 14-ዓመት ምስ ጓል 13- ዓመት ካልእ ጓልኣንስተይቲ በቲ ንሱ ዝነብረሉ መደበር ስደተኛታት ክሓልፋ ከለዋ ሒዝዎ ንዝነበረ ካራ ርእየንኦ ይኾና'የን ብዝብል ንፖሊስ ዝነግራሉ ስለ ዝመሰሎ ነቲ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ተገሊጹ'ሎ።

ፈጻሚ'ቲ ገበን በቲ ዝፈጸሞ ተግባር ኣዝዩ ከም ዝሰንበደን ከም ዝተጣዕሰን ብምግላጽ ንስድራአን ይቅረታ ሓቲቱ'ሎ።

ስድራ እተን ግዳያት እዚ ቅትለት ኣንጻር ስደተኛታት ንፖለቲካዊ መዓላ ከይውዕል ምምሕጻኖም'ውን ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG